2009-11-17 13:49:09

ኣይቮርይ ኮስት


ናይ ኣይቨርይ ኮስት ውሉደ ክህነት መበል 75 ዓመትን ናይ ኣንያማ ዘርኣ ክህነት መበል 50 ዓመት ምሥረታኡ ቅድሚ ትማሊ ብፁዕ ካርዲናል በርናርድ አግረን ኣብ ኣይቮርይ ኮስት ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ኣምብሮሰ RealAudioMP3 ማድዛን ናይ ኣይቨርይ ኮስት ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጆሴፍ ኣከ ያፖን 556 ካህናትን 19 ብፁዓን ኣቡናትን ብዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝበዓለ ተገሊጹ።

እቲ ቅዳሴ ኣብ ዝዓረገሉ እዋን 59 ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ናይ ድቁና ማዕርግ ከምእተቐበሉን ኣብቲ በዓል 7 ሽሕ ምእመናን ብሽም ናይ ኣይቮርይ ኮስት ርእሰ ብሔር ሚኒስትር ሜል ኤግ ቴዶረ ናይ’ዛ ሓገር ቀዳማይ ሚኒስትር ዝነበሩ ቻርለስ ኮናን ባንንይ ከምእተሳተፉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ከምዘመልክቶ ዕለት ሓደ ግንቦት 1934 ቀዳማይ ካህን ኣይቮርይ ኮስት ሬነ ኩአሲ ስሜተ ጵጵስና ዝተቐበሉሉን ዕለት 12 ጥቅምቲ 1959 ዓ.ም.ፈ. ድማ ቤትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ኤንያማ ብካህናት ኤውዲሳውያን መርሕነት ከምዝተመሥረተን እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.