2009-11-17 13:46:11

ናብ ተስፋ ዝዕድም መልእኽቲ


ብምኽንያት በቲ ለብዘበን ዝብዕል ዘሎ ዓመት ክህነት፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ንካህናት ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ቻይና ናብ ተስፋ ዝዕድም መልእክቲ ከምዘተሓላለፉ ካብ ቅድስቲ መንበር RealAudioMP3 ዝተዘርግሔ መገልጺ የረጋገጽ።

ብፁዕ ካርዲናል በርቶነ ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ካህናት ቻይና ከምቲ ቅዱስ ኩራቶ ዳርሶ ምስ ኩሉ ክዝትን ኣብ ጸሎት ዘርኣዮ ትግሃትን፣ ኣብነት ገይሮም ክህነታዊ ጸዋዕታኦም ክነብሩን ተላብዮም፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ወርሒ ግንቦት 2007 ዓ.ም.ፈ ንካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ሕዝባዊት ሬፓብሊክ ቻይና ዝመሓላለፍዎ መልእኽት ትግባሬኡ ተስፋ ተነቢርሉ ከምዘሎ ከምዘመልከቱ ተገሊጹ።

ብፁዕነቶም ከምቲ ኣብ ቻይና ንፈለማ ወንጌል ዘበሰረ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ማተዎ ሪቺ፣ እዋኑ ምሕርቲ ዝሕፈሰሉ ዘይኮነስ እዋን ዘራእቲ ኢዩ ዝበሉ ቓል ጠቒሶ፣ እታ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዘምፈሓላለፍዋ መልእኽቲ ተዘሪኣ ከምዘለና ኣወንታው ውጽኢት ከምእትህብ ዘየጠራጥር ምዃኑን ገሊጾም፣ ብዙሕ ሽግር እውን እንተሃለወ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ቻይና ምልክት ናይ ተስፋ ይርኤ ከምዘሎ፣ ካብ ቻይና ዝመጽእ ሓበሬታ የረጋግጽ ኢሎም። እታ ዕለት 27 ግንቦት 2007 ዓ.ም.ፈ ቅዱስ ኣቦና ናብ ቻይና ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝለኣኽዋ ሓዋርያዊት መልእኽቲ፣ ኣብ መንጐ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ቻይና ዘሎ ዘይምርድዳእ ተወጊዱ ዕርቂ ክነግሥን ምስ ሰበ ስልጣን ቻይና ምክብባርን ሓናጽን ዘተ ክብገስ ከምእተላበዉን ብጹዕ ካርዲናል በርቶነ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጠቂሶም፣ ናብ ዕርቅን ዘተን ዝትኰረሉ እዋን ኢዩ ኢሎም፣ ስለዚህ ኩሉ ካብ መንፈሳውነት ማለት ካብ ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ካብቲ ኩነታዊ ዘይኮነ ክርስቶስ ዘመሓላለፎ ቃል ዝፍልፍል ኃይልን ብርሃንን ክረክብ ክተግህ ኣለዎ ኢሎም።

ቅድስቲ መንበር ናይ ቻይና ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዘለዋ ጸገማት ከምዘይትዝንግዖን ጠቒሶም ካህናት ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ቻይና ክርስትያናዊ እምነት ብምልኣት ክነብሩን ኣብ መጻኢ ተተስፍዮም ገዛእ ርእሶም ከፊቶም ክጎዓዙ ሓደራ ከምዝበሉ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተዘርግሔ መግለጺ የመልክት።

ኣብ ቻይና ካህናት ካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን ዓለማውያን ምእመናን ቁጽሮም ውሑድ እውን እንተኾነ ክርስቶስ ክሰብኩን ካህናት ስድራ ቤት ካቶሊካውያን ምእመናንን ዘይካቶሊካውያንን ክብጽሑን ሕሙማት ከጸናንዑን፣ ትጉሃት መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ከሰናድዉን ናይቲ ዘይጽበን ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ዝሕብ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣብ ቤተ ክርስትያን ምስ ቤተ ክርስትያን ብቤተ ክርስትያን መርሕነት ክምስክርዎ ኣተሓሳሲቦምን ገዛእ ርእሶም ንክርስቶስን ንቤተ ክርስትያንን ብምሃብ ብናይ ቅዱስ ኩራቶ ዳርሶ ኣተሓሳስባን ተግባርን ተመሪሖም ኣገልገልቲ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ክኾኑ ሓደራ ከምዘብሉ ተሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.