2009-11-12 14:10:11

ውሕስነት መግቢ


ናይቲ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ሮማ ዝርከብ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ መግብን ሕርሻን ማኅበር ዋና ኣመሓዳሪ ዣክ ዲዩፍ ነቲ ዕለት 16 ሕዳር 2009 ዓ.ም.ፈ. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝሳተፈሉን ዘረባ ዘስምዑሉን RealAudioMP3 ኣብ ሮማ ንሰለስተ መዓልቲ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ምኽንያት ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ጥሜትን ስእነት መግብን ንምብዳሕ ዝካኣል ኢዩ ቢሎም፣ ናይ ዓለም ሓቆፍ መራኸቢ ብዙሃን ነዚ ክሳብ ሕጂ ንምርግጋጽ ዘይተኽኣሎ መሠረታዊ ድላይ ፍጥረት ሰብ ርእሰ ጉዳይ ገይሩ ዝዝቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ትኵረት ክግብራ ኣተሓሳሲቦም።

ድኽነት ንምጉዳልን ልምዓት ንምንቕቃሕን ሕቡራት መግንሥታት ዓለም ሚለኒዮም ብዝብል መጸውዒ ዝሓንጸጾ መደብ ክሳብ 2015 ዓ.ም.ፈ ኣብ ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ ብስእነት መግቢ ዝሳቐዩ 800 ሚሊዮን ሕዝቢ ናብ 400 ሚሊዮን ንምጉዳል ሓደ ካብቲ ዝሓቀኖም ሸቶ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ብዝሒ ድኻታታ እናጎደለ እኳ እንተሃለወ ብዝሒ ብስእነት ዝተመጣጠመ መግቢ ዝሳቐዩ ኣብ 2009 ዓ.ም.ፈ. ሓደ ሚሊያርድን 200 ሺሕን ከምዝበጽሕን ካብ ሽዱሸተ ሓደ ብስእነት መግቢ ክሳቐ እንከሎ ኣብ ውሽጢ 6 ሰከንድ ሓደ ሕጻን ብሕጽረት ዝተመጣጣነ መግቢ ከምዝመውት ሓቢሮም።

እዚ ግብረ ገባዊ ሽግር ጥራሕ ዘይኮነን ሰላምን ደህንነትን ጸጥታን ንሓደጋ ዘቃልዕ ከምዝኾነን ኣመልኪቶም፣ ድኻታትን ብስእነት መግብን ጥምየትን ዝሳቐዩ ንዝተፈላለዩ ዓመጻት መሳርሒ ክኾኑ ንስደትን ንመጻወዲያ ጉጅለ ገበነይናታት ክቃልዑ ዝድርኽ፣ ክፍታሕ ዘለዎ ዓቢይ ሰብኣውን ማሕበራውን ፖሊቲካውን ኤኮኖሚያውን መልክዕ ዘለዎ ጸገም ኢዩ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ 13 ሓገራት ሕጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ከምዘድልየንን ብሕልፊ ድማ ኣብ ምስራቓዊ ኣፍሪቃ 200 ሚሊዮን ሕዝቢ ብስእነት መግብን ደርቅን ግጭታትን ሕይወቶም ንሓደጋ ሞት ተቓሊዑ ከምዘሎ ገሊጾም ኣለዉ።

መራሕቲ መንግሥታት ዓለም ዳግም ድኽነትን ስእነት መግቢ ንምውጋድ ኣብ ሮማ ኣብ ዘካይድዎ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ሕጂ እውን ከይተሰማምዑ ከይሰናበቱ ሓደራ ቢሎም፣ ብስእነት መግቢ ናይ ዝሳቐ ሕዝቢ ግዜ ናቶም ግዜ ገይሮም ክሓስቡ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም፣ ስእነት መግብን ጥሜትን ኢፍትሓዊነት ምዃኑ ሓቢሮም ውሕስነስት መግቢ ንምርግጋጽ ዝሓትት ናይ ሓደ መዓልቲ መግቢ ናይ ምሕራም ኣድማ ክግበር ኣተሓሳሲቦም ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.