2009-11-12 14:07:04

እምነትን ምርምርን


እታ ብኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እምነትን ምርምርን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተደርሰት ዓዋዲት መልእክቲ ዝኽሪ መበል 10 ዓመት ምኽንያት፣ ብዝተፈላለዩ ኩርናዓት ስነ መጽናዕታትን እዋናውነታን ኣብ መንጎ RealAudioMP3 ቤተ ክርስትያንን ኅብረተሰብን ሊቃውንትን ንዘተ ተተባብዕ ምዃና ኣብ ግምት ብምእታው፣ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝዝቲ ዓውደ መጽናዕቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ፣ ርክብ ኣብ መንጎ ቲዮሎጊያዊ ጥበብን ፍልስፍናዊ ፍልጠትን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ዓውደ መጽናዕቲ ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እዛ ዓዋዲት መልእኽቲ ቅባሌኣን ትባሬኣን ንምልላይ ዝካየድ ዓውደ መጽናዕቲ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሃሊ ቅዱስ ማኅበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ማውሮ ፒያቸንዛ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ፣ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እምነትን ምርምርን ፍጥረት ሰብ ሓቂ ንምድላይ ገዛእ ርእሱ ሓቂ ንምስትንታን ክብ ዘብለኦ ክልተ ክንፍታት ኢያተን ዝበልዎ ሓሳብ ገሊጾም እዚ ናይታ ዓዋዲት መልእኽቲ መሠረታዊ ሓሳብ ኢዩ ኢሎም።

ብመድረኽ ምርምርን ፍልጠትን ኣብ መንጐ እምነትን ምርምርን ዝተኣታተወ ናይ ነዊሕ ፍትሕ ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ሥልጣን ትምህርቲ ፈጺሙ ተቐባልነት ከምዘይረኸበን፣ እቲ ኣብ መንጎ እምነትን ምርምርን ዘሎ መሠረታዊ ርክብ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ሕንጸት መሠረት ኮይኑ ከምዝጸንሔን፣ ይቕጽል እውን ከምዘሎን ኣመልኪቶም፣ ኣብ መንጎ ምርምርን እምነትን ፍጹም ምቅሕሓርን ዘይምቅዳውን ዘይምርድዳእን የሎን እዚ ድማ ኣብ ቲዮሎጊያን ፍልስፍናን ዘሎ ሓቂ ናይ ምድላይ ድፍኢት መሠረት ዝገበረ ፈጺሙ ዘይፈላለ ሓድነት ዘረጋገጽ ኢዩ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ዘይተሓሰበ እምነት ባዶ ኢዩ ዝብሎ ሓቂ ምዃኑ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዘረባ ዘስምዑ ናይ ትምህርቲ ሃይማኖት ዝሓሊ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ላዳሪያ ኣመልኪቶም፣ ዝኾነ ይኹን ባህሊ ገዛእ ርእሱ ንክርስቶስ እንተድኣይ ዘይከፈተ ባዶ እውን ምዃኑ ብሰፊሕ ከምዘረድኡ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.