2009-11-12 14:08:48

ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ቅድሚ መስቀል


ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ፍጥረት ሰብ ኣብ ቅድሚ መስቀል ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ቅድሚ ትማሊ ናይ ሓደ መዓልቲ ዓወደ መጽናዕቲ ከምእተኻየደ RealAudioMP3 ተሓቢሩ።

ኣብዚ ዝተኻየደ ዓወደ መጽናዕቲ ናይ ስነ ሰብእ ናይ ሃይማኖት ስነ ታሪኽን ናይ ቲዮሎጊያን ፍልስፍናን ስነ ሕክምናን ሊቃውንቲ ከምዝተሳተፉ ክንገር እንከሎ፣ እቲ ምልክት መስቀል ንፍጥረት ሰብ መሠረታዊ ሕቶ ዘቕርብ ከምዝኾነን ርክብ ምስ እዚ መስቀልን መስቀልን ናይ ዘመንና ሰብን እንታይ ከምዝመስል ነቲ ኣብ ቀረባ ኣዋን ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ኣብ ስትራስበርግ ዝርከብ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ጉዳይ ዝምልከት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ኣቢያተ ትምህርቲ ምልክት መስቀል ከይስቀል ዝመሓላለፎ ውሳኔ ኣማእኪሉ ዝዘተየ እውን ከምዝኾነ ተገሊጹ።

መስቀል ናይ ወንጌል ሓቂ ዝገልጽ ማለት እግዚኣብሔር ከምዘፍቅረናን ሓደ ወዲ ምእንታና ክሳቐ ፍቕሪ ኣገዲድዎ ናባና ከምዝወረደን ኣንሕና ክድሕን ዝሓለፈ ፍቕሪ ዝገልጽ እዩ፣ ስለዚህ እዚ ናይቲ ዘይጽበ ናጻ ዝኾነ ውፉይን ፍጹምን ፍቕሪ ምልክት ኢዩ። ምእንቲ’ዚ እዚ መስቀል ናይ ሓደ ውሱን ማኅበረሰብ ንብረት ዘይኮነስ ኵላውነት ኣድማስ ዘለዎ ሓቂ ኢዩ፣ በዚ መስቀል ድማ ፍጠረት ሰብ ወዲ እግዚኣብሔር ምዃኑ ብእግዚእብሔር ከምእተፈጥረን ዝርድኣሉ ብክርስትና ዘይተመሓዘ ሓቂ ምዃኑ የገንዝብ። ምዃን ዘይቅበል ምዃን ዝህብ፣ ክውን እንተዘይህሉ ፍጥረት ሰብ ኣይምኾነን ኔሩ ዝብል ብፍስፍና ዝግለጽ ኣመጻጽኣ ፍጥረት በቲ መስቀል ዝግለጽን ዝምልከትን ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.