2009-11-10 14:15:05

ፍልስጥኤም


ናይ ፍልጥኤም ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ መንግሥቲ ርእሰ ብሔር ኣቡ ማዘን ብናይ ሃገሮም ናይ ቴሌቪዥን ኣገልግሎት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብ 2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ዝካየድ ናይ ርእሰ ብሔር መረጻ ከምዘይሳተፉ ከምዝገለጹ ክዝከር እንከሎ፣ RealAudioMP3 ኣቡ ማዘን ንምርጫ ከምዘይቐርቡ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናይ ርእሰ ብሔር ሥልጣኖም እውን ከረክቡ ምዃኖም ናይ እስራኤል ናይ መራኸቡ ብዙሓን ይሕብራ።

ቅድሚ ትማሊ ኣብ ሄብሮንን ቤተ ልሔምን ንርእሰ ብሔር ኣቡ ማዘን ዝድግፍን ኣብ 2010 ዓ.ም. ኣብ ዝካየድ ሕዝባዊ መረጻ ሕጹይ ኮይኖም ክውድሩ ዘተባብዕን ሓደራ ዝብል ሰላማዊ ሰልፊ ከምእተኻየደ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.