2009-11-10 14:11:47

ሓዋርያዊ ሕጊ፣ ብዛዕባ ኣንግሊካውያን


እቲ እምነት ክርስትያን ኣብ ምግላጹ ዘሎ ናይ ክልትኤን ኣቢያተ ክርስትያን ፍልልይ ከይዘንግዔ ንናይ ክርስትያን ሓድነት ንምንቕቓሕን ናብቲ ዘድሊ ሓድነት እውን ንምብጻሕ ሓድሽ መገዲ ዘርህው ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በንዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዝተፈላለዩ RealAudioMP3 ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኣንግሊካውያን ናብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ምሉእ ምጽንባር ንኽገብሩ ብተደጋጋሚ ዘቕረብዎን ዘቕርብዎ ዘለዎ ሕቶ ኣብ ግምት ብምእውታው፣ አንግሊካኖሩም ኮኤቲቡስ ብዝምል ኣርእስቲ ዝኣወጅዎ ሓዋርያዊ ሕጊ ዝሓለፈ ዕለት 4 ሕዳር 2009 ዓ.ም.ፈ. ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ካሮሎ ቦሮመዮ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት እዚ 13 ዓናቅጽ ዘለዎ ሰነድ ብዛዕባ ትምህርቲ እምነት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ብወግዒ ከምዝዘርገሖ ይዝከር።

እዚ ኣንግሊካኖሩም ካኤቲቡስ መሠረት ገይሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣብ ዝሃቦ መገልጺ፣ ካህናት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ምስ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ምሉእ ብምሉእ ክሓብሩ ዘቐረብዎ ሕቶ፣ ቅዱስ ኣቦና በቲ ዘለዎም ጴጥሮሳዊ ሓዋርያዊ ሥልጣን መሠረት ዝሃብሉ ቅኑዕን ለጋስን መልሲ፣ ሓዋርያዊ ሕጊ ኮይኑ፣ ነቲ ናይ ክርስትያን ሓድነት ዝግበር ጻዕሪ ንቕድሚት ክስጉም ዘተባብዕ፣ እቶም ተቐባልነት ረኺቦም ናብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝኣትዉ ኣንግሊካውያን ካህናት ነቲ ምስ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝሰማማዕ ዘበለ ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን መንፈሳውን ሊጡርጊያውን ሃብቲ ዘኽብር ከምዝኾነን ተረጋጉጹ። እቶም ቃል ኪዳን ዝኣሰሩ ሰብ ሓዳር ካህናት ኣንግሊካዊት ቤተ ርክስትያን ናብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ክኣትዉ ማለት ነቲ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን እትኽተሎ ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፣ ምልክትን ንናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ፍቕሪን ንብሥራት መንግሥቲ እግዚኣብሔር ብሩሕ ዝገብር ናይ ካህናታ ብንጽሕናን ብድንግልና ናይ ምንባር ውሳኔ ዝሓኽኽን ኣብ ሕቶ ዘእትውን ከምዘይኮነ ኣብቲ ሓዋርያዊ ሕጊ ተመልኪቱ ኣሎ።

እዞም ናብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝኣትዉ ኣንግሊካውያን ካህናት ብትምህርቲ እምነት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ክሕገዙን ኣብ ሓደ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ጉባኤ ክሕቆፉን ብናይ ካቶሊክ ካህናትን ገዳማውያንን ዓለማውያን ምእመናን ምትሕብባር ተገይሩሎም፣ ምሉእ ብምሉእ ኣባላት ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ከምዝኾኑ ቀዳማይ አንቀጽ ሓዋርያዊ ሕጊ የመልክት። ዝተፈላለዩ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርታትን ቅዱሳን ማኅበራትን በቢ ዘለዎም ሓዋርያዊ መዝነት ክድገፍ ከቕርቡ ካልኣይ ዓንቀጽ ብምምልካት፣ ሳልሳይ ዓንቀጽ ቅድስቲ መንበር ዘጽደቐቶ ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን መንፈሳውን ሊጡርጊያውን ሃብቲ ዝሕሉ ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፣ ዓንቀጽ ራብዓይን ሓምሻይን ኣዞም ናብ ካቶሊክ ቤተ ክስትያን ዝኣትዉ ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ካህናት ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝምዘዝ ኅይነት መንፈሳውን ግብረ ኖልዎ ሓልዮት ክረኽቡ ምዃኖም ይረጋግጽ።

እዞም ናብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ክኣትዉ ዝሓቱ ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዕን ጳጳሳትን ካህናትን ዲያቆናትን እቲ ዝተቐበልዎ ሚስጢረ ክህነት ኣብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣትዮም ምሉእ ብምሉእ ተቐባልነት ረኺቡ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ክቕጽሉ ስዒቡ ማለት ንናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ሚስጢራት ድልዋት ኢያቶም ዝብል ውሳኔ ተዋሂብዎም ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ኣብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ንኸገልግሉ ኢዩ።

እቲ ሓዋርያዊ ሕጊ፣ ቅድም ቀዳድም ነቶም ብንጽሕናን ብድንግልናን ዝነበሩ ናይ ኣንግሊካውያን ካህናት ዝምልከት ኮይኑ፣ ቀጺሉ ሕቶ ናይቶም ሚስጢረ ተክሊል ዝተቐበሉ ካህናት ኣንግሊካውያን ኣብ ግምት ብምእታው ጉዳዮም ብሓፈሻዊ መልክዕ ዘይኮነ፣ ብሕገ ቀኖና ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ቤተ ክርስትያን ዓንቀጽ 277 መሠረት ሓደ ብሓደ ኣጽኒዑን መርሚሩን ድልዋትን ዘይድልዋት ዝብል ውሳኔ ክወሃብ ዘተሓሳስብ ኢዩ።

ኣብ ሓደ ዘረኣ ክህነት ተቐሚጦም ምስ ካልኦት ተመሃሮ ዘረኣ ክህነት ብሓባር ናይ ካቶሊክ ትምህርቲ እምነትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ዝምልከት ሕንጸት ክረኽቡ እውን ከምዝኾነን፣ እዚ ድማ ሓድሽ ናይ መናንያን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማኅበራት ከተባብዕ ከምዝኽእል ኣብ ግምት ብምእውታው፣ ቅድስቲ መንበር ነዚ ዓይነት ድላይ ውሳኔ ክትህበሉ ምዃና ኣብ ዓንቀጽ ሽድሽተን ሸውዓተን ተመልኪቱ ኣሎ።

ቅድስቲ መንበር ናይ ሰበኻታት ብፁዓን ጳጳሳት ዝህብዎ ርእይቶ መሠረት እቶም ኣብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ተቐባልነት ዝረኸቡ ናይ ኣንግሊካውያን ካህናት ዝነበሩን ናይቶም ኣንግሊካውያን ምእመናን ዝነበሩ ብኣባልነት ዝርከብሉ ቁምስናታትን ክመርሑን መንፈሳዊ ሓላፍነት ክርከቡን ከምዝኽእሉ ኣብ ዓንቀጽ 8 ክምልከት እንከሎ፣ ኣብዚ ቁምስና ክጽንበሩ ዝሓቱ ዓለማውያን ምእመናን ገዳማውያን ብጽሕፉ ሕቶ ከቕርቡ ከምዘለዎም ዓንቀጽ 9 ይእዝዝ።

ብቕድስቲ መንበርን በቲ ነዞም ካህናት ዘመሓድር ናይ ሓባር መምርሒ ዝምራሕ እቶም ኣንግክሊካውያን ዝነበሩ ናብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝተጸንበሩ ካህናትን ጳጳሳትን ዝሓቁፍን ቤት ምኽሪ በቢ ዓሙሽተ ዓመት ናብ ቅዱስ ጴጥሮስ ምብጻሕ ክገብርን ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ክራኸብን ክዝትይን ድማ ዓንቀጽ 10 ይእዝዝ።

ናይዚ ሓዋርያዊ ሕጊ መማልኢ መምርሒ፣ እቲ ነቶም ናብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝጽንበሩ ዝሓቁፍ ማኅበር ኣብ ዝርከብሉ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ተሓቝይፎም ዝመርሖም ብፁዕ ኣቡን ወይ ድማ ካህን ብር.ሊ.ጳ. ዝምዘዝ ከምዝኾነን፣ ምስ ሰበኻ ጥብቂ ርክብ ክህልዎን እዚ ማኅበር ኣብ ዝርከበሉ ሰበኻ ክኣቱን፣ ኣብኡ ኮይኑ ኣገልግሎቱ ክፍጽም ክሓትት እውን ከምዝኽእል ዝሕብርን ከማኡ ድማ ዓለማውያን ምእመናን ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣባላት ንኽኾኑ ተኣምኖ ሃይማኖት ክደግሙን ናይ መባእታ ክርስትና ዝኾኑ ሚስጢራት ክቕበሉን ኣብቲ ናብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ክኣትዉ ዝሓቱ ዝሓቁፍ ማኅበር ዝተመዝገቡ ክኾኑ ከምዘለዎ እቲ ማማልኢ መምርሒ የመልክት።

ናይ ካህናት ኩነት ዝምልከት ኣብ መማልኢ መምርሒ ዓንቀጽ 6 ዘሎ፣ እቶም ናብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ክኣትዉ ዝሓቱ ኣንግሊካውያን ካህናት ዝሓቁፍ ማኅበር ዝተመርዓዉ ኣንግሊኣክውያን ካህናት፣ ናብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ክኣትዉ ንቕዱስ ኣቦና ሕቶ ከቕርቡ ከምዘለዎም እቶም ናይ ካቶሊክ ካህናት ዝነበሩ ናብ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝኣተዉ ናብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ተመሊሶም ክህነቶም ክነብሩ ፍቑድ ከምዘይኮነን፣ ብሚስጢረ ተክሊክ ኣብ ዘይቆመ ሓዳር ዝነብሩ ኣንግሊካውያን ንቅዱሳት ሚስጢራት ድላዋት ከምዘይኮኑን ይገልጽ።

እቶም ናብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ክኣትዉ ዝሓቱ ኣንግሊካውያን ምስ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ባህሊ ዝሰማማዕ ባህሎም ክዕቅቡን ኣቶም ገና ክህነት ዘይተቐበሉ ናይ ክህነት ጸዋዕታ ዘለዎም ምስ ናይ ዝርከብሉ ሰበኻ ኣቡን ስምምዕ መሠረት ምስ ካልኦት ናይ ካቶሊክ ዘርኣ ክህነት ተመሃሮ ተጸንቢሮም ናይ ቲዮሎጊያ ሕንጸት ክረኽቡ ከምዘለዎ የተሓሳስብ።








All the contents on this site are copyrighted ©.