2009-11-07 13:34:43

ካሪታስ፣ ካብ ዓለምና ጥምየትን ስእነት መግብን ንምውጋድ


ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዓለም ሓቆፍ ናይ ተራድኦ ማኅበርን ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕራሻን ማኅበርን ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ሓለዋ ጥዕናንን ዓለም ሓቆፍ ናይ ቀይሕ መስቀል ፈደረሽን ዝፈረማሉ “ሃንደበታዊ ምልውዋጥን RealAudioMP3 ምዝባዓትን ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየርን ሕጽረት ውሕስነት መግብን ጥሜትን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ውሳኔ፣ ምዝባዕን ቅጽበታዊ ምልውዋጥ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር እቲ ንልዕሊ ሓደ ሚሊያርድ ዝግመት ሕዝቢ ዘጥቕዕ ዘሎ ዋሕድን ስእነት መግብን ጥሜትን ንምድራቱን ንምፍታሕን ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ሽቶኡ ከይወቅዕ እንቅፋት ይኸውን ከምዘሎ ኣቢቲ ሰነድ ተመልኪቱ ኣሎ።

ስእነትን ዋሕዲ መግብን በቢ ዓመቱ መብዛሕቲኡ ሕጻናት ድኻታት ሓገራት ዝርከብዎም ልዕሊ 3.5 ሚሊዮን ሕዝቢ ንሞት ሓደጋ ከምዝቃልዕን፣ ኣብ ዝቕጽሉ ዓሠርተ ዓመታት ብዝሒ ብስእነት መግብን ዋሕዲ ዝተመጣጠነ መግብን ብጥምየትን ንሞት ሓደጋ ዝቃላዕ እዚዩ ክብ ክብል ምዃኑ ኣቲ ውሳኔ የመልክት። ብሕልፊ ድማ ምስፍሕፋሕ ነቕጺ ንመጓሰ ካብ 40 ን 90 ሚእታዊ ክንክይ ከምዝገብሮን፣ ክሳብ 2050 ዓ.ም.ፈ. እቲ ጥሜት ካብ 10 ክሳብ 20 ካብ ሚእንቲ ክብ ክብልን ዋሕዲ ዝተመጣጠነ መግቢ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ክውስኽ ምዃኑ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ብምምልካት፣ ናይ ኩለን ሃገራት ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ጉዳይ ሚኒስትራት ኣብ ዴንማርክ ዕለት 7 ታሕሳስ 2009 ዓ.ም.ፈ ክራኸቡ ምዃኖም ጠቒሱ፣ እቲ ክካየድ ተወሲኑ ዘሎ ጉባኤ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ዝድርኹ ተበግስቶታት ከተባብዕን እቲ ዝተዘርግሔ ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ ከምዘተሓሳሰበ ኣረጋጊጹ።

መንግሥታት ምህርቲ መግቢ ከሐይሉን ሕዝቦም ምግቢ ናይ ምርካብ መሰሉ ከረጋግጹን ምዝባዕ ናይ ከባቢ ተፈጥሮ ኣየር ንምክናይ ጻዕሪ ክግበሩን ካሪታስ ናይ ካቶሊክ ናይ ተራድኦ ማሕበር ሓደራ ቢሉ፣ ኣብ ዝኽሰቱ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋታት ተዋፊሮም ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ዘቕርቡ ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበራት ፍሉይ ምቅርራብ ከምዘድልዮምን መንግሥታት ቀዲምካ ናይ ምጥንቃቕ ባህሊ ከተባብዑ ካሪታስ ከምዘተሓሳሰበ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.