2009-11-07 15:43:51

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ናይ ካዛኪስታን መራሕ መንግስቲ ተቀቢሎም አዘራሪቦም፡


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ትማሊ ቅድሚ ቀትሪ ናይ ካዛኪስታን መራሕ መንግስቲ ፕረሲደንት ኑርሱልጣን ናዛርባየቭ አብ ቫቲካን ተቀቢሎም ከም ዝዘራረብዎም አብ ቫቲካን ዝወጽ መግለጺ አፍሊጡ አሎ ።

በዚ ክፍሊ ማኅተም ቫቲካን ዘውጽኦ መግለጺ መሠረት ፡ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስን ፡ ናይ ካዚኪስታን መራሕ መንግስቲ ፕረሲደንት ኑርሱልጣን ናዛርባየቭን ዓለም ለኻዊ ቅልውላው ኤኮኖሚ አብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝካየድ ዘተ አብ ዙርያ ዓለም ሰላም ዝሰፍነሉ መንገድን ብዝምልከቱ ርእሰ ጉዳያት ተዘራሪቦም።

አብ ልዕሊ”ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ፕረሲደንት ኑርሱልጣን ናዛርባየቭን ጽቡቅ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ረፓብሊክ ካዛኪስታንን ብዝምልከት ኩነታት ናይቲ አብታ ሀገር ዝነብር ዝተፈላለየ እምነት ዝኽተል ህዝቢ ብዝምልከት ጉዳይ ሐሳብ ንሓሳብ ከም ዝተለዋወጡ እቲ መግለጺ አመልኪቱ።

ናይ ካዛኪስታን መራሒ ፕረሲደንት ኑርሱልጣን ናዛርባየቭ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጽሐፊ ምስ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺስዮ በርቶነን አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ሐላፊ ምስ ሊቀጳጳስ ምስ ብፁዕ አቡነ ዶመኒክ ማምበርቲን ተራኺቦም ክአ ብተመሳሳሊ ከም ዝተዘራረቡ ብቫቲካን ዝተዋህበ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ አሎ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.