2009-11-07 13:33:33

ምስፍሕፋሕ ዘደንዝዙ ዕጸዋት ኣብ ኤውሮጳ


ዘደንዝዙ ዕጸዋት ኣብ ኤውሮፓ ብዝብል ኣርእስቲ ቅድሚ ትማሊ ዝወጸ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ከምዘመልክቶ፣ ኣብዛ ክፍሊ ዓለም ዘደንዝዙ ዕጸዋት ምስፍሕፋሕ እዚዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ እቲ መጽናዕቲ ዘቕረቦ ናይ ኣኃዝ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ RealAudioMP3 ክፍለጥ እንከሎ፣ ብዛዕባ እቲ ሰነድን ዘቕረቦ ሓበሬታ ኣመልኪቶም ነቶም ናይ ዘደንዝዙ ዕጸዋት ግዙኣት ዝኾኑ ካብቲ ወዲቕምዎ ዘለዎ ሓደጋ ንኽላቐቑ ናይ መንፈሳውን ሰብኣውን ስነ ኣዕምሮኣውን ድጋፍ ዘቕርብ ጉጅለ ኣቤል ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበር ሊቀ መንበር ሚከለ ጋሊያርዶ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ብሓቂ ዘሰንብድ ኢዩ፣ ነዚ ክንርኢ ብሓቒ ኣይተጸበናን እቲ ሓቂ ድማ ኣሰንቢዱና ከበሃል ትሰምዕ፣ እዚ ማለት ድማ ብዝሒ ተጠቃሚ ዘደንዝዙ ዕጽዋት እናዓበየ ይኸይድ ምሕላዉ ኢዩ ዘመልክት፣ በቢ ዓመቱ ብዛዕባ ዘደንዝዙ ዕጸዋት ጸብጻብ ክቐርብ እንከሎ ንስንብድ፣ እዚ ማሕበር ምስቶም ናይ ዘደንዝዙ ዕጸዋት ግዙኣትን ሳሕቲ ዝጥቐሙ ክፍሊ ኅብረተሰብ ኩነታት እዚ ጉጅለ ኣቤል ብቐረባ ዝፈልጦ ኢዩ፣ ምእንቲ’ዚ ጸብጻብ ኣብ ዝቐረበሉ ምስንባድ ዘይኮነስ፣ በቢ ዕለቱ ምስፍሕፋሕ ዘደንዝዝኑ ዕጽዋት ክግታእን እቶም ናይዚ ሓደገይና ዕጽዋት ግዙኣት ዝኾኑ ቀሪብካ ምብጻሕን ካብቲ ወዲቐምዎ ዘለዎ ሓደጋ ክላቐቑ ምትብባዕን ኣብ ናይ መንፈሳውን ሰብኣውን ስነ ኣእምሮኣውን ተሃድሶ ማእከላት ክኣትዉ ምድጋፍ የድሊ ኢሎም። ቀጺሎም ብዙሓት ዘደንዝዙ ዕጸዋት ንኽጥቀሙ ዝድርኾም ማኅበራውን ሰብኣውን ኤኮኖሚያውን ተረእዮታት ምልላይ እቲ ቀድማይን ዓቢይ ድጋፍ ምዃኑን ገሊጾም፣ መሠረት ምጥቃም ዘደንዝዙ ዕጸዋት እቲ ቀዳማይ ክፍታሕ ዘለዎ ሽግር ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.