2009-11-05 14:31:22

ተዮሎጋውያን ክትዓት-ዓላማኦም ብፍቕሪ ኣብ ሓቅነት ንምብጻሕ ይዅን


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ሮቡዕ ኣብ ኣደባባይ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሠላሳን ሓሙሽተን ሽሕ ዝግመቱ ምእመናን ዝተሳተፉሉ ሓፈሻዊ ሰሙናዊ መደብ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዘቕረቡ ተመልኪቱ።

ቅዱስነቶም ትማሊ ሮቡዕ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ እምነት ቤተ ክርስትያን ንምሕላውን ሓቅነት ብፍቕሪ ከም ዝድንፍዕ ንምግባርን ጥዑይ ኣገባብ ዝተኸተለ ተዮሎጋዊ ክትዕ ኣድላዪ RealAudioMP3 ከምዝኾነ ገለፁ።

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ነዚ ዝገለፁ ኣብ መበል ዓሠርተ ክልተ ዘመን ኣብ ሞንጐ መንፈሳውን መጽናዕታውን ማለት ኣብ መንጐ እምነት ዘቐድም ተዮሎግን ፍልጠት ዘቐድም ተዮሎግን ዝነብር ፍልልይን ምስሕሓብን ብምንጽጻር ኣንክኸውን፣ ዝተጋነነ ፍልጠት ከምቲ ናይ እዋና ኩሉ ንጽጽራዊ ኢዩ እምበር ሓደ ፍሉጥ ሓቂ የለን ቢሉ ዝኽሕድ ሸለልተይና ባህሊ ረላቲቭዝም ካብ ሰብኣዊ ተግባር መንፈሳውን ሞራላውን ትርጉም ከጥፍእ ወይ ድማ ጥራዩ ክተርፍ ይኽእል ብምባል ኣጠንቐቑ።








All the contents on this site are copyrighted ©.