2009-11-05 14:34:29

ቤተ ክርስትያን መራኸቢ ብዙኃን ናይ ስነ ቀመራዊ ባህሊ


ናይ ኩባ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ብዘቕረበሎም ዕድመ መሠረት ካብ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሮም ኣብ ሃቫና ዝርከቡ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ማሪያ ቸሊ RealAudioMP3 ጽባሕ ንጎሆ ንብጹዓን ጳጳሳት ኩባ፣ ቤተ ክርስትያን መራኸቢ ብዙኃንን ናይ ስነ ቀመራዊ ባህልን ብዝብል ኣርእስቲ ኣስተምህሮ ከቕርቡ ምዃኖም ካብ ሃቫና ቤት ጽሕፈት ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኩባ ዘመሓላለፎ መገለጺ ሓቢሩ።

ብፁዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ማሪያ ቸሊ በቲ ነርባዕተ መዓልቲ ዝቕጽል ሓዋርያዊ ብጻሕ መሠረት ድማ ሎሚ ኣብ ሃቫና ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ኩባ ብጹዓን ጳጳሳዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ይሳተፉ ከምዘለዉን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ላቲን ኣሜሪካ ናይ ኩባ መራኸቢ ብዙኃን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለዩ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርታትን ሰበ ሥልጣናትን፣ ብፍላይ ድማ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጻሓፊ ብፁዕ ካርዲና ታርቺዚዮ በርቶነ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2008 ዓ.ም.ፈ. ቀጺሎም ናይ ቅዱሳን ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብጹዕ ካርዲናል ኾሴ ሳራይቫ ማርቲንስ ኣብ ኩባ ዘካየድዎ ምብጻሕ ብምጥቃስ ዝፍጸሙ ዘለዉ ርክባት ብዝምልከት ሰፊሕ ሓተታ የቕርባ ከምዘለዋ ተረጋጊጹ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶኔ ኣብ ኩባ ራውል ካስትሮ ርእሰ ብሔር ኮይኖም ምስ ተሾሙ ኣብ ሃቫና ናይ ፈለማ ዓለም ለኻዊ ምብጻሕ ዘካየዱ ምዃኖም እውን ናይ ላቲን ኣመሪካ መራኸቡ ብዙሃን የዘኻኽራ። እዞም ዝተኻየዱን ዝካየዱ ዘለዉ ርክባትን ሓዋርያዊ ምብጻሕን እቲ ኣብ መንጎ ቅድቲ መንበርን ኩባን ዘሎ ርክብ እንታይ ከምዝመስል ዝገልጽን ርክባተን ዓቢይ ምምሕያሽ እናርኣየ ይኸይድ ከምዘሎ ዘረጋግጽ ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.