2009-11-05 14:35:40

ቅዱስ ካርሎ ቦሮመዮ


ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ትማሊ ቅዱስ ካርሎ ቦሮመዮ ከምዘብዓለት ተገሊጹ። ቅዱስ ቦሮመዮ ኣብ 16 ክፍለ ዘመን ኣብ ሚላኖ ዝነብር ዝነበረን ገና ወዲ 22 ዓመት ዕድመ እንከሎ ናይ ካርዲናል ማዕርግ ዝተቐበለን RealAudioMP3 ኣብ ድላይ ቤተ ክርስትያንን ምእመናን ዓቢ ሓዋርያዊ ኣተኵሮ ዝገበርረን ምዃኑ ናይ ሚላኖ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ዲዮኒጂ ተታማንዚ ንኽብሪ ቅዱስ ቦሮመዮ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ካቴድራል ሚላኖ መንበረ ጳጳስ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘቕረብዎ ስብከት ከምዝገለጹ ተረጋጊጹ።

ቅዱስ ካሮሎ ቦሮመዮስ ምስ ቅዱስ ኣምበሮዚዮስ ናይ ሚላኖ ከተማ ሓላዊ ቅዱስ ከምዝኾነ ክዝከር እንከሎ፣ ናይ ቅዱስ ቦሮመዮ መንፈሳዊ ጸጋታት መርህ ገይሮም ዝቖመ ብማኅበር ስካላብሪኒያኒ ዝፍለጥ ማኅበረ ልኡካነ ወንጌል ምክትል ሓለቓ ኣባ ሊቪዮ ስተላ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ቅዱስ ካሮሎ ቦሮመዮ ብፍቕሪ እግዚኣብሔር ዝተመልኤን ኣብ ጸሎትን ናይ ፍቕሪ ሥራሕን ዝተጸምደን ኣብ ፍቕሪ ብጻይ ናይ ምትጋህ ኣብነትን ከምዝኾነን፣ ፈታው ድኻታትን ሕዙናትን ዘኽታማትን ከምዝነበረ እውን ገሊጾም፣ ኣብ 1610 ዓ.ም.ፈ. ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ራብዓይ ኣቦ ድኻታት ብዝብል ሽም፣ ቅድስና ከምዝኣወጁሉን፣ ብፁዕ ስካላብሪኒ ነዚ ናይ ቅዱስ ካርሎ ቦሮመዮ መንፈሳውነት ኣስተማቒሩን መርሕ መፍነሳዊ ኣገልግሎቱን ገይሩ ኣብ ሕይወት ቅድስናን ኣገልግሎትን ኣብነት ቅድስና ቦሮመዮ መሪህ ገይሩ፣ ድኻታት ኣብ ምግልጋል ሕይወቱ ዘሕለፈ ምዃኑ ገሊጾም።

ቅዱስ ቦሮመዮ ንናይ ሚላኖ ካህናት ቃል እግዚኣብሔር ቅድም ቀዳድም ብሕይወትኩም መስክርዎ ክብል ወትሩ ይምዕድ ከምዝነበረ ኣባ ስተላ ገሊጾም፣ ድኻታትን ዘኽታማትን ናባኻ በጃኻ ቢሎም ቅድሚ ምምጻኦም ኬድካ ርኸቦም ዝብል ናይቲ ናባና ዝወረደ ፍጽሙ ፍቕሪ ዓቢይ መስክር ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.