2009-11-05 14:33:20

መነባብሮን ውፉይ ሕይወት ገዳማውያን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ


ናይ መናንያንን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማኅበራት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፍራንክ ሮደ ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ኣብ ዝርከባ ገዳማትን መንፈሳዊ ማኅበራትን ምብጻሕ RealAudioMP3 ከካይዱ ምዃኖም ተሓበሩ።

እዚ መነባበሮን ውፉይ ሕይወት ገዳማውያን ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ በቆጻጽራ ፈረንጂ ኣብ 2010 ዓ.ም. ወርሒ ጥሪ ዝፍጸም መደብ ብጻሕ ገዳማትን መንፈሳዊ ማኅበራት ደናግል ቀንዲ ዕላማኡ ይብሉ ብፁዕ ካርዲናል ሮደ፣ ኣብተን ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ዘለዋ ማኅበራት ደናግል ወይ ድማ ኣብቲ ዝፍጽመኦ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዘጠራጥር ጉዳይ ስለ ዘሎን ኣብ ልዕሊ እዘን ማኅበራት ደናግል ዘየተኣማምን ጉዳያት ኣሎ ብምባል ዘይኮነስ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከባ ናይ ደናግል ማኅበራትን ኣገልግሎተንን ምስቲ ጭቡጥን ኅልው ኩነታት ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ኣጻሚድካ እንታይ ከምዝመስል ንምርኣይን ካብዚ ተበጊስካ ገምጋም ንምክያድን ዝሓቀነ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ጸዋዕታ ደናግል እዚዩ እና ወሓደ ይኸይድ ከምዘሎ እውን ሓቢሮም፣ ምእንቲ’ዚ ናይዚ ምውሓድ ጸዋዕታ ደናግል መንቀሊኡን ቀንዲ ምኽንያቱን ኣለሊኻ ብሓባር ምስተን ኣብዛ ሃገር ዝርከባ ናይ ደናግል ማኅበራት ኴይንካ መፍትሒኡ ንምድላይ ከምዝኾነ ገሊጾም። ከምዚ ዓይነት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣድላዪ ምዃኑ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከባ ሓደ ሓደ ናይ ደናግል ማኅበራት ዘቕረበኦ ሕቶ ኣብ ግምት ዘእተወ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምዃኑ ሓቢሮም፣ እዚ ድማ ዓለማውነትን ሕሉፍ ኣንስታይነት ኣመለኻኽታ ኣብ ገለ ገለ ማኅበራት ደናግል ይተኣታተውን ጎሊሑን ይርኤን ከምዘሎ ካብ ኣፍ ደናግል ናይዛ ሃገር ዝቐረበ ሓበሬታ መሠረት ዝገበረን ኣብ 2008 ዓ.ም.ፈ ኣብ ዝተኻይዱ ርክባት ዝተወሰነ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኢዩ ኢሎም።

ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ብዝምልከት እዚ ቅዱስ ማኅበር ናይ ውሳኔ ሰነድ ከውጽእ ምዃኑን እዚ ውሳኔ እዚ በቐዳማይ ደረጃ፣ ምስተን ኣብ ሕቡራት ኣምሪካ ዝርከባ ኣሕሉቕ ናይ ደናግል ማኅበራት ተራኺቡ ናይ ሥራሕ መርምሒ ክሕንጸጽ ኢዩ፣ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እቲ ናይ ሥርሕ መምርሒ ንኹለን ኣብታ ሃገር ንዝርከባ ደናግል ተዘርጊሑ ኣብቲ ሰነድ ንዝቐርቡ ሕቶታት መልሲ ክህባሉ ኢየን፣ ኣቲ መልሲ ዝተወሃበሉ ሰነድ ቀጺሉ ኣብ ጆርጆ ታውን መንበረ ጥበብ ንዝርከቡ ጉጅለ ሊቃውንቲ ቀሪቡ ብጥልቂ ክጽናዕን ምዃኑን በዞም ሊቃውንቲ ዝውሃብ ርእይቶ ኣብ ሓደ ተጠሪኑፉ ክቐርብ ኢዩ። ስለዚህ እቲ ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ዝርከባ ናይ ደናግል ማሕበራት ሕይወት በዚ መልእክዕ’ዚ ብዝተገበረ መጽናዕቲ ቀሪቡን፣ እዚ ቅዱስ ማኅበር ምስ ማኅበራት ደናግል ተራኹቡን ብቐረባ ተመያይጡን ዝህቦ ውሳኔ ዘጠቓለለ ናይ መጠቓለሊ ውሳኔ ሰነድ ክቐርብ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.