2009-10-31 15:27:40

ቤተ ክርስትያን ሃንጋሪ


ሃንጋሪ ኣብ ሥርዓት ዴስነት ኣብ ዝነበረትሉ ዘመን ካብ 1937 ክሳብ 1950 ናይ ሰበኻ ኤስተርጎም ተሓባብሪ ጳጳስ ኮይኖም ዘገልገሉን ከይፈርሑ ንሕዝቢ ሃንጋሪ መንፈሳዊ ሓልዮትን ሰብኣዊ ሕንጸትን እናሃቡ መገዲ ሓቂ ዝሕብሩ ዝነበሩን በቲ መልካዊ ሥርዓት ዴስነት ውሳኔ መሠረት ኣብ ኪስታርክሳ ተኣሲሮምን ተቐጥቂጦምን እንከብቅዑ በቲ ዝወረዶም RealAudioMP3 ስቓይ ዕለት 4 መጋቢት 1951 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ዝሓለፉ ሰማዕት ብፁዕ ኣቡነ ዞልታን ላኾስ ሜስዝለንዪ ሎሚ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክስርትያን ብፅእና ከምዝኣወጀትሎም ተሓቢሩ።

ነዚ ናይ ብፅእና ምእዋጅ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝመርሑ ናይ ቅድስትና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ኣቡነ ኣንጀሎ ኣማኖት ክኾኑ እንከለዉ፣ ብፁዕነቶም ሰማእት ብፁዕ ኣቡነ ዞልታን ላኾስ ታሪኽ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ እንክሕብሩ፣ ብፁዕ ኣቡነ ዞልታን ላኾስ ዕለት 2 ጥሪ 1892 ዓ.ም.ፈ. ካብ ሓንቲ ካቶሊካዊት ሥድራ ከምእተወልዱን ካህን ንምዃን ብዝተቐበልዎ ጸዋዕታ መሠረት ናብ ኢጣሊያ መጺኦም ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ናይ ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ትምህሪ ኣጠናቒቖምን ቀጺሎም ብሕገ ቀኖና ሊቅነት ኣመስኪሮም፣ ዕለት 28 ጥቅምቲ 1937 ማዕረገ ክህነት ከምእተቐበሉን፣ ኣብ ሃንጋሪ ናይ ኤስተርጎም ተሓባባሪ ሊቀ ጳጳስ ኮይኖም ዘገልገሉ ከምዝነበሩን ገሊጾም። በቲ ዝነበሮም ዓቢይ ናይ እምነት ጸጋ ተመሪሖም፣ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተጸሚዶም ነፍሳት ክመርሑን ኣብ መዳይ ስነ ባህሊ እውን ዓቢ ተራ ከምዝነበሮም ብፁዕ ኣቡነ ኣማቶ ገሊጾም፣ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ሃንጋሪ ዝቖመ ዴሳዊ መንግሥቲ ቤተ ክርስትያንን ማኅበረ ክርስትያን ከሳድድ ኣብ ዝተበገሠሉ እዋን ከይፈርሑ ሓቂ እናመስከሩ እንከለዉ፣ ፈለማ ናይ ሃንጋሪ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ዝነበሩ ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ሚንድስዘንትይ በቲ ጨቛኒ ሥርዓት ክእሰሩ እንከለዉ፣ እዚ ዝረኣዩ ብፁዕ ኣቡነ ዞልታን ላኾስ እምነት ኣብ እዋን ራህዋን ሰላም ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ እዋን ጭንቅን መከራን ክምስከረን ክንበርን ከምዘለዎ ኣሚኖም ብቓልን ብሕይወትን እናተባብዑ፣ ነቲ ዝስፋሕፋሕ ዝነበረ ጸረ እግዚአብሔርን እግዚኣብሔር የሎን ዝብል ባህሊ ብምቅዋም፣ ነዚ ዴሳዊ ሥርዓት ዘተኣታትዎ ዝነብረ ኣመለኻኽታ ብስነ ባህል ብምቅዋም፣ ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ተጸሚዶም ኣብ ዝነበረሉ ኣዋን ናይ ኤስተርጎምን ቡዳፔስትን ተሓባባሪ ሊቀ ጳጳስት ክኾኑ ምስ ተሾሙ ድሮ እቲ ዴሳዊ መንግሥቲ ከሳድዶም ከምዝጀመረን፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጊኑን ከሳቕዮምን መግረፍትን ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ከውርደሎም ከምዝጀመረን፣ ነጻ ንኽልቀቑ እምነቶም ክኽሕዱ ኢ ጨቛኒ ሥራዓት ዘቕረበሎም ቅድመ ኩነት፣ እምነቶም ካብ ምኽሓድ ሰማዕትነት ምቕባል ዝለዓለ ጸጋ ምዃኑን እምነት ኪሕድካ ካም ምንባር እምነትካ መስኪርካ ምሕላፍ ሕይወት ኢዩ ዝብል መልሲ ብምሃብ ብጠንቂ ዝወርዶም ዝነበረ መግረፍትን ስቓይን ዕለት 4 መጋቢት 1951 ዓ.ም.ፈ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከለዉ ከምዝዓረፉ ሕይወት ሰማዕትነት ብፁዕ ኣቡነ ዞልታና ላኾስ ታሪኽ ሕጽር ብዝበለ መልክዕ ዝሃብዎ መገልጺ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.