2009-10-31 15:29:02

ሴነጋል፣ መራሕቲ ሃይማኖታት


ኣብ ሴነጋል ክቡር ዋጋ ሥድራ ቤት ዝምልከት ኣስተምህሮ ንዜጋታት ክወሃብ መራሕቲ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ከምዝሓተቱ ተረጋጊጹ። እቲ ኣብ ከተማ ሜርሞዝ ማኅበር ኮንራድ ኣደናውር ዘዳለዎን ኩሎም ኣብዛ RealAudioMP3 ሓገር ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ዘተኣኻኸበ ጉባኤ፣ መንሰያት፣ ጥቕምን ክብርን ሃይማኖት ብዝብል ኣርስቲ ተመሪሑ ከምእተኻየደ ተሓቢሩ። ኣብ ሴነጋል መነባብሮ መንሰይን ዝኽተሎም ኣብነታትን ሃይማኖታትን ባህላውያን ሃይማኖታትን ብዝምልከቱ ነጥብታት እውን እቲ ዝተካየደ ኣኼባ ከምዝተዘራረበ ተሓቢሩ።

ኣብ ናይ ሰኔጋል መምርሒ ትምህርቲ፣ መደብ ሕንጸት ስነ ሃይማኖት ዘየጠቓልልን፣ መራኸቢ ብዙኃን ናይዛ ሃገር እውን ብዛዕባ ሃይማኖታት ዝምልከት ሓበሬታ ኮነ መደብ ስነ ሃይማኖት ዘይብለን ብምዃነን፣ መንእሰይ ተማሂሩ ጽዒሩን ሕይወት ብግቡእ ካብ ምምራሕ በቋራጺ መገዲ ሰብኣዊ ክብሪ ዘየኽበር ተግባር እውን ይኹን ብዘየገድስ፣ ቀልጢፉ ብገንዘብ ሃብቲ ንምድላብ ከምዝጓየ እቲ ዝተካየደ ጉባኤ ሓቢሩ፣ መንእሰይ ካብዚ ኵሉ ጸገማት ንምድሓን ናይ ግበረ ገብን ስነ ምግባርን ስነ ሃይማኖትን ሕንጸት ክረክብ ከምዘለዎን፣ እዚ ድማ ጥቕሚ ሃይማኖትን መንፈሳውነት ብምልላይ፣ ሕይወቱ ክመርሕ መታን፣ ሓገዝን ደገፍን ከምዘድልዮ እቲ ጉባኤ ከምዘመልከተ ተረጋጊጹ።

ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና እዋን ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ኤኮኖሚ ቅልውላው ብዙሕ ክዝረበሉን መፍትሒኡ ንምድላይ ብብሔራዊ ኮነ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዝተፈላለዩ ጻዕርታት ይካይዱ፣ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ናይ ሕይወት ዕብየትን ክብርን ንምፍታሕ ግን ከምቲ ዝደለ ዝሥጉምን ቁልጡፍ ለውጢ ዘርእይን ዘይምዃኑ፣ እቲ ናይ ኩለን ሃይማኖታት መራሕቲ ጉባኤ ገሊጹ፣ መሠረታዊ ናይ ስነ ሃይማኖት ሕንጸት ንናይ ግሊ ኮነ ማሕበራዊ ናብራ እዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ፣ ናይ ምስልምና ሃይማኖት መራሒ ማንሱር ስይ ድጃሚል ከምዘተሓሳሰቡ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.