2009-10-29 13:35:31

ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ


ብፁዕ ካርዲናል ኢቫን ዲያዝ ቅድሚ ትማሊ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ መደበይና ምጅማር ዓመታዊ ትምህርቲ ምኽንያት ዝዓረገ መሥዋዕቲ ቅዳሴ ክምርሑ፣ ተመሃሮ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ዝከታተልዎ መጽናዕትን፣ ምርምርን፣ ዝቕበልዎ ሕንጸትን፣ ልቢ ክርስቶስ ንምፍላጥ ክሕግዞም ይግባእ ከምዝበሉ እንክሕበር፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ መሥዋዕተ RealAudioMP3 ቅዳሴ ናይ ኪኒሻሳ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ላውረንት ሞሰንግዎ ፓዚኒያ፣ ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ኣብ ኣፍሪቃ ብድሆ ሃዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ኵላዊት ቤተ ክስርትያንን ብዝብል ኣርእስቲ ኣስተምህሮ ከምዝሃቡ ተገሊጹ።

ኣብዚ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ካብ ኤውሮጳን እስያን ኣፍሪቃን ላቲንን ሰሜን ኣሜሪካን ካብ ዝተፈላለያ ደሴታት ብጠቕላላ ካብ 100 ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ካህናትን ወሉደ ክህነትን ደናግልን ዓለማውያን ምእነናን ትምህርቲ ከምዝከታተሉ እውን እንክሕበር፣ ብፁዕ ካርዲናል ዲያዛ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ተመሃሮ ጳጳሳዊ መናብረተ ጥበባት ዜጋታት ሰማይን ናይ ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን እሙናት መሰኻኽር ክኾኑ ዝተጸውዑ ኢዮም ከምዝበሉ ተሓቢሩ። ናይ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ፕሮፈሶር ካታልዶ ዙካሮ ድሕሪ ኣቲ ዝቐረበ ቅዳሴ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ተመሃሮ ጳጳሳውያን መናብረተ ጠበብ ናይ ገዛእ ርእሶምን ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ቀንደይና ተዋሳእቲ ክኾኑ ከምዘለዎም ምዒዶም፣ ምስ እግዚኣብሔር ርክብ እንተድኣ ዘይተጌሩ ዝግበር መጽናዕትን ምርምርን ሕንጸት ኵሉ ከንቱ ኢዩ፣ ብዘይ ናይ ክርስቶስ ብርሃን መሠረተዊ ትርጉሙ የጥፍእ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ላውረንት ሞሰንግዎ ፓዚንያ ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ኣብ ኣፍሪቃ ብድሆ ሃዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ኵላዊት ቤተ ክስርትያን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሖም ኣብቲ 1500 ተመሃሮ ዝተሳተፍሉ ጉባኤ ኣስተምህሮ ከምዘቕረቡን፣ ብፁዕነቶም ብዛዕባ እቲ ብዝሓለፈ ኣብ ቫቲካን ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ኣብ ዝብል ቀንዲ ርእሰ ጉዳይ ተመርኵይዙ ካብ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም.ፈ. ክሳብ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም.ፈ ዝተኻየደ ወግዓዊ ካልኣይ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ ዝድህስስ ኣስተምህሮ ብምቕራብ ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ኣብ መላእ ዓለም ክረጋገጽ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ኣበርቲዓ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኾኣ ከምእተክይድ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.