2009-10-29 13:30:58

እምነትን ፍልጠትን ዝመላልኡን ዝደጋገፉን ነገራት ኢዮም


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ናይ ትማሊ ሮቡዕ ጉባኤ ኣስተምህሮ ብእምነትን ፍልጠትን ኣቢልካ ኣብ ሓቅነት ንምብጻሕ ንቅዳሴን ንባብ ቅዱስ መጽሓፍን ዝሓሸ ኣቃልቦን ኣትኵሮን RealAudioMP3 ኪግበር ይግባእ።

እምነትን ፍልጠትን ኣብ መንጐኦም ብምክብባር ዝተሰነየ ዘተን ልዝብን ክህሉ ከሎ መንፈስ ሰብ ብኣስተንትኖ ሓቂ ናብ ላዕሊ ክብ ኢሉ ዝንቀሳቐሰለን ክልተ መንገብገብ ኢዮም፣ ብምባል ብዛዕባ ኣብ መበል ዓሠርተ ክልተ ዘመን ዝጀመረን ዝማዕበለን ክልተ ዓይነት ኣገባብ ተዮሎጊ ማለት ገዳማውያን መጽናዕታውን ስልቲ ኣቀራርባ ስነ መለኮት ብሰፊሑ ገለጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.