2009-10-29 13:37:21

ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12፣ ዝንበ ጳጳስ


ኣብ ሮማ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ዝንበ ጳጳስ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ቅድሚ ትማሊ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ሎረንዞ ፎሪ ለ ሙራ፣ ኮሚቴ ር.ሊ.ጳ. ፓቸሊን ባህልን መጻሕፍት ዝተሰምየ ናይ ስነ ባህሊ ማኅበር ብሓባር ዘነቓቕሕዎ ዓለምሓቆፍ ጉባኤ ከምእተኻየደ ተሓቢሩ።

ካህንን ናይ ቲዮሎጊያን ናይ ስነ ቤተ ክርስትያን ሊቅን በሊሕ RealAudioMP3 በዓል ሜላን ናይ ስነ ማርያምን ናይ ስነ ሕይወትን ስነ ምግባርን ሊቅ ናይ ኣይሁዳውያን እሙን ዓርክን፣ ኣፍቃሪ ስነ ምርምርን መራኸቢ ብዙሃንን፣ ርክባት ቤተ ክርስትያንን መንግሥታትን ዘተባብዑን ኔሮም ብምባል ዝገለጾም ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

እታ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 “ላ ሱሚ ፖንቲፊካቱስ - መርሃ ግብርታት ር.ሊ.ጳ. ብዝብል ኣርእስቲ ቅድሚ 70 ዓመት ዝደረስዋ ቀዳመይቲ ዓዋዲት መልእኽቲ፣ ንምዝካር ተሓሲቡ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ክኸውን እንከሎ፣ እዛ ዕለት 29 ጥቅምቲ 1939 ዓ.ም.ፈ. ዝተደርሰት ዓዋዲት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. መርሃ ግብርታቶምን ኣብ ማኅበራውን ፖለቲካውን መዳይ ዘለዎም ተራን ተመልክት ምዃና ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ኣስተምህሮ ዘቕረቡ ናይ ስነ ታሪኽን ናይ ስነ ምምሃርን ሊቅ ፋቢዮ ሲልቨስትሪ ከምዝገለጹ እንክንገር፣ ኣብቲ ዝተካየደ ዓወደ መጽናዕቲ ፈላስፋ ጋስፓረ ሙራን ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማኅበር ኣማኻሪ ብፁዕ ኣቡነ ኒኮላ ቡክስ፣ ናይ ስነ ታሪኽ ሊቅ ጁሊዮ ኣልፋኖ፣ ናይ ስነ ማርያም ሊቅ ስተፋኖ ዴ ፊረስ ኣስተምህሮ ከዘቕረቡ ክሕበር እንከሎ፣ ኣብ መኽፈቱ ናይቲ ዓወደ መጽናዕቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶኔ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምእተነበ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.