2009-10-29 13:41:13

መበል 150 ዓመት ስብክሰተ ወንጌል ኣብ ታይዋን


ታይዋን ወንጌል ዝተቐበለትሉ መበል 150 ንምዝካር ዝካየድ ዘሎ ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን መደባት ዓውደ መጽናዕትታት ብላቲን ሥርዓት ክርስቶስ ንጉሥ ዝብዕለሉ ዕለት 21 ሕዳር 2009 ዓ.ም.ፈ. ክዛዘም ምዃኑ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ። RealAudioMP3

ናይ ታይፐይ ርእሰ ሰበኻ ዘዳለዎ መደብ ምዃኡ እውን ክንገር እንከሎ፣ ኣብዚ በዓል እዚ እቲ ኣብ ሲድነይ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ምኽንያት ናይ ታይዋን ካቶሊካውያን መንሰያት ሱታፌን ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዘካይድዎ ርክብን ክርስቶስ ዝሰብኩ ልኡካን መእመናን ምዃኖን ካብ ቅዱስ ኣቦና ዝተቐበልዎ ሕድሪ ዘማእከለ ዓውደ መጽናዕቲ እውን ከምዝኾነን፣ መንእሰያት ካቶሊክ ታይዋን ኣብቲ ተግባር ቅዱስ እንድርያስ ዝተሰየመ ማኅበር ኣብ ዘካይዶ እምነትን ናይ ምስፍሕፋሕ ተልእኮ ክዋሳኡ ዘተባብዕ ክርስትያናዊ ሕድሪ ዝተቐልሉ በዓል እውን ከምዝኾነ ፊደስ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.