2009-10-29 13:42:27

ሕዝባዊ መረጻ ኣብ ሞዛምቢክ


ኣብ ሞዛምቢክ ትማሊ ልዕሊ 10 ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ ናይ ኣውራጃታት ሞዛምቢክ ምምሕዳርን ቤት ምኽሪ ኣባላት ወከልቲ ሕዝባዊ ባይቶ ንምምራጽ ድምጺ ከምዝሃቡ ተሓቢሩ። ኣብዚ ዝተኻየደ ሕዝባው መረጻ እቲ ፍረሊሞ ብዝብል RealAudioMP3 ኣሕጸሮተ ቃል ዝፍለጥ ንሞዛምቢክ ካብ 1975 ዓ.ም.ፈ. ኣትሒዙ ዝመርሕ ዘሎ ናይ ሞዛምቢክ ናይ ነጻነት ግንባር ክዕወት ኢዩ ዝብል ግምት ከምዘሎ እንክሕበር፣ ብዛዕባ እዚ ዝተኻየደ ሕዝባዊ መረጻ ኣመልኪቶም ጋዜጠይና ኣባ ጁሊዮ ኣልባነዚ ምስ ራዲዮ ቫሪካን ኣብ ዝገብርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብቲ ሕዝባዊ መረጻ ሕጂ እውን እቶም ዳግም ንኽምረጹ ሕጹይ ኮይኖም ቀሪቦም ዘለዉ ርእሰ ብሔር ኣርማንዶ ጉአቡዛ ክስዕሩ ምዃኖ ዝተረጋገጸ ኢዩ ኢሎም። እቲ ብዳቪዝ ሲማንዶ ዝተመሥረተ ናይ ሞዛምቢክ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ዕዙዝ ተቐባልነት ዘለዎ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ እናኾነ ይኸይድ ከምዘሎ እውን ኣመልኪቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.