2009-10-28 11:15:11

፫ ዘጽጌ 15 ጥቅምቲ 2002 ዓ.ም


ንባባት፡ 2ቆሮንጦስ 8፡1~10 ራእ 12፡1~13 ግ.ሓ. 1፡12~14 ዮሓ 19፡25~2

መዝሙር፥ ወመኑ መሓሪ ዘከማከ. . . ። “ሥራሕ ጥበቡ ዘገርም ዘደንቕን እዩ እቲ አብ ሰማየ ሰማያት ዘሎ ኣባና ምሕረቱ ገለጸ. . . ምስ ኖኅ ኪዳን ዝአቶኻ ንደቂ እስራኤል መና ዘውረድካሎም ከማኻ ዝበለ መሓሪ መን አሎ፥ ኩሉ እዩ ካባኻ ዝጽበ ከማኻ መሓሪ መን አሎ” እናበለ መጨረሻ ነቲ ዘፍቅሮ ሓደ ወዱ ንስብከትን ንመስዋዕትን ብምስዳዱ ምሕረቱ ገለጸ።

፫ይ ሰንበት ዘጽጌ ማርያም አደ ቤተክርስትያን ብዝብል አርእስቲ ክነስተንትኖ።

አብ ክርስትያናዊ እምነትና ንማርያም በቲ ምስ አምላኽ ዘለዋ ርክብ ዝተፈላለየ አስማት ንህባ፥ አደ አምላኽ፥ አደ ቤተክርስትያን፥ ንጽሕቲ ድንግል፥ አደ ሕያዋን. . . .ንብላ። ንማርያም ዝተፈላለየ አስማት እንህባ ብኽልተ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል፥ ሀ. ሰባት ብባሕርይና ንሓደ እንፈትዎ ወይ ፍሉይ ነገር ዝገብር በቲ ዝገበሮ ስም ንህቦ እዚ ኸአ ናቱ/ታ እንታይነት ክንገልጽ፥ ስለ እንፈትዎ/እነፍቅሮ መግልጺ ፍቕርና ዝተፈላለየ ስም ንህቦ። ለ. ንማርያም ብዙሕ አስማት ምሃብ ዕምቆትን ናይ እቲ ንሳ አብ ጉዳይ ድሕነት ዝተጻወተቶ ተራ ንምግላጽ እዩ። ንሳ ዝተፈላለየ አስማት አልአ ምኽንያቱ አምላኽ ብዝተፈላለየ መንገዲ ብአአ ገሩ ፍቕሩን ምሕረቱን ገሊጹልና እዩ። አደ ንብላ አደ ዝብል ቃል ንሓንቲ ዝወለደት ዝውሃብ ቃል እዩ እዚ ኸአ ንሳ ምንጪ ናይ ሓዲስ ሕይወት ምዃና ዝገልጽ እዩ፥ ሕይወት ከአ አብ ናይ ነፍሲ ወከፍና ምንባር ዝለዓለ ነገር እዩ። ማርያም አደ ኢየሱስ ብትስብእቱ እያ። ኢየሱስ አምላኽ፥ ቃል፥ ካልአይ አካል ቅድስት ስላሴ እዩ። ስለዚ አደ አምላኽ እያ። አብ ጉባኤ ኤፈሱስ ብ431 ዓ.ም. ብዕሊ ተአዊጁ እምነት ቤተክርስትያን ከአ ኮይኑ ካብኡ ንድሓር አደ አምላክ ለምንልና ንብላ።

አብ ምውዳእ ካልአይ ጉባ ቫቲካን ጳውሎስ ፮ ብዕሊ አደ ቤተክርስትያን ዝብል ስም ሂቦማ። እዚ ኸአ ናይ ማርያም መንፈሳዊ አደነት ንነፍስወከፍ አማናይ ንምግላጽ እዩ። ክርስቶስ ርእሲ ክኸውን እንከሎ፥ ቤተክርስትያን ከአ ሰውነቱ እያ፥ ክርስቶስ ሰውነቱ ካብ ማርያም ካብ ወሰዶ ንሳ አደ ቤተክርስትያን እያ።

እምብአር ሓደ ካብቲ ንማርያም ዝውሃብ አስማት አደ ቤተክርስትያን ዝብል እዩ። ንሳ አደ ክርስቶስ ጥራሕ አይኮነትን እንታይ ድአ አደ ኩላትና እያ። አብ ብዙሕ ብራናታት አበውን ትምህርቲ ቤተክርስትያን አደ ሕያዋን ዝብል ንረክብ። ንሳ አደ ዘብላ ንኢየሱስ መድሓኒና ወሊዳ ምስኡ ብእምነትን ጥምቀትን ተወሃሂዳ በዚ ንሕና ናይ እታ ሰውነቱ ዝኾነት ማሕበር አባልት ሰውነቱ ንኸውን። ንሕና አባላት ሰውነት ክርስቶስ ስለ ዝኾና ማርያም ከአ ብሥጋ ንክርስቶስ ስለ ዝወለደት አሕዋት ክርስቶስ ደቂ ማርያም ኢና። እዚ አደነት ማርያም ብአካላዊ ውልዱነት ዘይኮነ ብመንፈሳዊ ምውላድ እዩ።

ንማርያም አደ ዘብላ አብ ክልተ ቀንዲ ነገራት ናይ ሕይወታ ዝተመስረተ እዩ፥


ማርያም አደ አምላኽ አብ ሕይወት ቀዳመይቲ ቤተክርስትያን ዓቢ ተረ ከምዝነበራ ግ.ሓ. 1፡14 ይነግረና። አብ ጸሎት ብሓንሳብ ከለዉ መንፈስቅዱስ ክወርዶም እንከሎ አብ ማእከሎም ነራ። አብ ኩሉ ሕይወት ቤተክርስትያን አብ ጸሎት፥ አብ ስብከት፥ አብ መአዲ ቍርባን አብ መንጎአም ነራ (ግ.ሓ. 2፡42)። አደ አምላኽ ብምዃና ብርግጽ የኽብርዋን ይውድስዋን ነሮም።

ንሳ ሕይወታ አብ አገልግሎት አምላኽ ክፉት ስለ ዝገበረቶ መንፈስ ቅዱስ ክልተ ጊዜ ክዋርዳ ንረኽቦ። መጀመርያ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ አብ ማሕጸና ንወዲ አምላኽ ክትጸንስ እንከላ። አብ ጽራሓ ጽዮን አብ መንጎ ሓዋርያት እንከላ መንፈስ ቅዱስ ወሪድዋ። አብቲ ቀዳማይ ምውራድ አደ አምላኽ ገሪዋ አብቲ ካልአይ ግን ንግላ ዝተዋህባ እዩ ማለት ንሳ ነቲ ዝተዋህባ ተልእኮ አብ መንጎ ቤተክርስትያን ዝገልጽ እዩ።

ዮሓንስ ወንጌላዊ “አቲ ሰበይቲ እንሆ ወድኺ” ንዝብል ክነግር እንከሎ ናይ ማርያም አደ ኹሉ ምዃና ከምዝጀመረ ይገልጽ። ነቲ ዘፍቅሮ ረድኡ አብ መስቀል እናሞተ እንከሎ ንዝነበሮ ቃንዛ አወንዚፉ እንሃ አደኻ ኢልዎ። ሽዑ ዮሓንስ ንኹልና ወኪሉ ተቐቢልዋ አደይ ኢልዋ ውሉድ ንወላዲ ዘገብሮ ገሩላ። (ሰበይቲ ዝብል ቃል ንሔዋን ቅድሚ ሓጢአት ምግባራ ዝብሃላ ዝነበረ ስም እዩ) ንሳ ድሕሪ ክርስቶስ ትስራዕ ቅ. አጎስጢኖስ ማርያም አባል ቤተክርስትያን እያ ግን ፍልይ ዝበለት አባል ይብላ። ንሳ አብታ ቅዱስ ቍርባን ዝተሰርዓላ ቤት ኮይና ንአርድእቲ ወዳ ብጸሎት ትመርሖም ተጸናንዖም ምስጢር አምላኽ ተስተምህሮም ነራ እዚ ትብዓት ድፍረት መንፈስ አውሂብዎም። ንሳ ምስጢር ክርስቶስ ስለ ዝፈለጠት አብ ጊዜ ስቕለቱ ኩሎም ክሓድግዎ አይሓደገቶን ምስኡ ንመስዋዕቱ ተኻፊላ። ማርያም እምብአር አርአያና እያ።

ማርያም አምሳል ቤተክርስትያን ዘብላ ምኽንያት ኩሉ እቲ መንነት ቤተክርስትያን ዝገልጽ አብአ ስለ ዝርከብ። ንሳ ድንግልን አደን እያ። ማርያምን ቤተክርስትያንን ደናግል ንብለን ምኽንያቱ ክልትአን ብሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝምልአ። ማርያም ብሰውነታ ንርእሲ ዝኾነ ወሊዳ፥ ቤተክርስትያን ንርእሲ ዝኾነ ሰውነታ ትህብ። ክልትኤን አደታት ክርስቶስ እየን። ክልቲኤን ሓንቲ ብዘይ ሓንቲ ክወልዳ አይክእላን እየን፥

አበው አብ ጽሑፋቶም ናይ ማርያም አደነት ንማሕበር ክርስቶስ ብብዙሕ መንገዲ ገሊጾሞ። እዚ ኸአ አብቲ ሥራሕ ክርስቶስ ተመስሪቶም እዮም። ቅዱስ ኢረነዩስ “ማርያም ምኽንያት ድሕነት ናይ ኩሎም ደቅ ሰብ ኮይና” ይብል። ቅዱስ አምብሮዝዮስ ነዚ ከዕሙቕ እንከሎ “ድንግል ድሕነት ዓለም ወሊዳ” ይብል። ቅዱስ አጎስጢኖስ “አደ አባልቱ” ይብላ። አብ ውድሴ ማርያም በብዕለቱ ዝድገም እንተ ረአና ናይ ማርያም አደ ቤተክርስትያን ምዃና ዝገልጽ ብንጹር ንረክብ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 13 ንምጀምርታ ጊዜ ብ1748 አደ ቤተክርስትያን ዝብል ንማርያም ከተአታትዉ ጀሚሮም። ልዮ 13 ብኹሉ እንታይነታ አደ ቤተክርስትያን ይብልዋ። ዮሓንስ 23 ክምኡ ጳውሎስ፮ ብፍላይ ጳውሎስ፮ አብ ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን አደ ቤተክርስትያን ዝብላ ስም ብዕሊ 22 ሕዳር 1964 አዊጆም። ማርያም እታ ምጀመርታ ድሓነት ትስብእትን መሎከትን ዘስትማቐረት እያ ናይ ቤተክርስትያን ሓድነት ምስ ክርስቶስ አብዚ ዝተመስረተ እዩ። ናይ ማርያም አደነት ሎሚ እውን አብ ሰማይ ኮይና ትቕጽሎ አላ አደና እያ። ሰማይዊ ሕይወት ክነዕቢ ምስ ወዳ ኮይና ትተሓባበር። ዮሓንስ ጳውሎስ ካልአይ እውን ቀጺሎሞ። ማርያም ሰውነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተክርስትያን ሎሚ እውን ክትዓቢ ተተሓባበር እያ ይብሉ። ንሳ እታ ዝበለጸት አምሳል ቤተክርስትያን እያ ይብሉ። ማርያም አደ ሕያዋን ጥራሕ አይኮነትን አደ እቶም ብሞት ዝሓለፉ እውን እያ አብ ሰማይ ኮይና ምስ ወዳ ተራኽብን ተንጽሕን። በዚ ናይ ምልእቲ ሰውነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተክርስትያን አደ እያ።

ኩሉ ባሕርይ ማርያም ናይ አደ ባሕርይ እዩ። ሎሚ ብፍላይ ነዚ ሰንበት ክነስተንትኖ ዝሕግዘና፥


ዘመነ ጽጌ ፍሉይ ፍቕሪ ማርያም ክነሕድር እሞ ናብቲ ምንጪ ፍቕሪ ዝኾነ አምላኽ ክንበጽሕ ብዝያዳ ክነስተንትን ክንልምን ዝሕግዘነ እዋን እዩ። ነዚ አብ ልብና አሕዲርና ገምጋም መንፈሳዊ ሕይወትና ንግበር ንጸሊ ቤትና ቤት ማርያምን ወዳን ንግበሮ። ሓጋዚት ጽጉማት ኢኺ እሞ ደኺመ አሎኹ ጉዕዞ ሕይወት ጣዕሚ ዓለም ዛሕሊ መንፈስ የጥቅዓኒ አሎ እሞ ሎሚ ሓድስኒ ንስሓ ሓጢአተይ ገረ ምስ መድሕነይ ንቅድስና ሕይወተይ ክወፍር ሓግዝኒ ንበላ። ንቤተክርስትያን ዝመርሐት ሎሚ እውን ንኹሎም መራሕትን ምእመናን ጽላላ አጽሊላ ትምርሓና።

ኣባ ንጉሠ ፍስሓ

 








All the contents on this site are copyrighted ©.