2009-10-27 13:54:46

ዒራቕ


ቅድሚ ትማሊ ኣብ ባግዳድ ብዝተፈጸሙ ክልተ ለኪምካ ናይ ምጥፋእ መጥቃዕቲ 160 ሰባት ናይ ሞት ካልኦት 500 ድማ ናይ መቝሰልቲ ሓደጋ ከምዘጋጠሞም ክንገር እንከሎ፣ ናይቶም ዝተቐትሉ ዜጋት ናይ ቀብሪ RealAudioMP3 ሥነ ስርዓት ትማሊ ንጎሆ ከምእተፈጸመ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ናይ ቀብሪ ሥነ ስርዓት ሕዝቢ፣ መራሔ መንግሥቲ ዒራቅ ኑሪ ኣል ማሊኪ ጽኑዕ ናይ ደህንነትን ጸጥታን ሓለዋ ክረጋግጹ ከምዝሓተተን ክንገር እንከሎ፣ ናይ ኢራቅ ርእሰ ብሔር ጃላል ታላባኒ ትማሊ ምሸት ብዛዕባ ናይ ደህንነትን ጸጥታን ጉዳይ ዝዝቲ ሕጹጽ ኣኼባ ከምዝጸውዑ ካብ ባግዳድ ዝተዘርግሑ ምንጪ ዜናታት ይሕብሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.