2009-10-27 13:51:30

ናይ ካቶሊክ መራኸቢ ብዙሃን


ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዝጸወዖ ብዛዕባ እቲ ብ 1992 ዓ.ም.ፈ. አየታቲስ ኖቨ- ሓዲስ ዘመን ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ካቶሊክ መራኸቢ ብዙሃን ንዝህብኦ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝኽተለኦ መምርሒ ንምሕዳስ ዝሓቀነ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ቫቲካን ይካየድ ከምዘሎ ተረጋጊጹ።

ናይ ካቶሊክ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ንዝህበኦ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎት RealAudioMP3 ምስቲ እንነብረሉ ዘለና እዋንን ዘኸትሎም ብድሆታትን ኣብ ግምት ብምእታው ሓዲስ መምርሒ ንምቕራብ ሃቂኑ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ኣመልኪቶም፣ ብዛዕባ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ማሪያ ቸሊ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እዚ ዕለት 29 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም.ፈ. ዝፍጸም ሓፈሻዊ ጉባኤ፣ እቲ ኣብ ዓለምና ዝርኤ ዘሎ ናይ ቴክኖሎጂ ምዕባሌታትን ቅልጡፍ ግዜ ዘይህብ ግስጋሴኡ ነቲ ቅድሚ 17 ዓመት እዚ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብቡፁዕ ኣቡነ ጆን ፓትሪክ ፎለይ ኣብ ዝመረሓሉ ዝነበረ እዋን ናይ ካቶሊክ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝህበኦ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎት ንኽኽተልዎ ዝሓንጸጾ መምርሒ ዳግም ተጸኒዑ፣ ምስቲ ህልው ኩነታት ብምግንዛብ ምሕዳስ ዘድልዮ ምዃኑ ሓቢሮም፣ እዚ ንምክያድ፣ ብዛዕባ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ናይ ካቶሊክ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝህበኦ ሓዋርያዊ ግብረ ኖውሎ ኣገልግሎት ዝኽተልኦ ሓድሽ ሓዋርያዊ መምርሒ ዘውጽኦ ቅድመ ንድፊ ንዝተፈላለዩ ኣብ ናይ ጳጳሳዊ መናበረተ ጥበብ መደብ ትምህርቲ ስነ መራኸቢ ብዙሃን ንዝዓዩ ሊቃውንቲ ቅድም ክብል ክርእይዎን ከምዝዓደሎን ሓቢሮም፣ ቤተ ክርትያን ምስቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ኛ ዘመንና ባህሊ ስነ ኣኃዝን ምዕባለ ቀመርቲ መካይን እንክብሉ ዝሃብዎ መገልጺ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ዘለውዋ ናይ መራኸቢ ብዙሃን እዋናውነት ዘለዎም ክኾኑን ነቲ በዚ መጋበሪያ ዝቐርብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝኽተሎ መምርሒ ክትሕንጽጽ ይግበኣ፣ ምእንቲ’ዚ እዚ ሓፈሻዊ ጉባኤ እቲ ሓዋርያዊ መምርሒ ኣጽኒዑ ክመያየጠሉ ምዃኑ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.