2009-10-27 13:52:49

ስነ ሃይማኖትን ሳይንስን ከባብን


ሓድነታዊ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ዘዳለዎ ኣብ ኒው ኦርሊንስ ስነ ሃይማኖትን ሳይንስን ከባብን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ሻምናይ ጉባኤ ሚሲሲፒ ቅድሚ ትማሊ RealAudioMP3 ከምእተዛዘመ ተሓቢሩ።

እዚ ብብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ በረጠለምዮስ ቀዳማይ ሓልዮት ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ካብ ሚሲሲፒ ናብ ቀላይ ቪክቶር ካብ ኣሜርካ ናብ ኣፍሪቃ ጠቕላላ ብዛዕባ ጥዕና ከባቢ ተፈጥሮን ዝኽሰቱ ዘለዉ ለውጥታትን ዘስዕቦ ጸገማትን ኃላፍነት ሰብን ዝዳሕሰሰ ከምዝኾነ እንክሕበር፣ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለሚዮስ ቀዳማይ ኣብቲ ናይ ጉባኤ መፈጸምታ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮን ከባብን ዝወርድ መጉዳእትን ጠንቅታቱን ኣብ ልዕሊ ፍጥረትን ንምጽናዕን መፍትሒኡ ንምድላይን፣ ተፈጥሮን ከባብን ንምክንኻን ኣብ ዝግበረ ጻርዕሪ ሃይማኖታዊ፣ ፖሊቲካዊ፣ ናይ ስነ ምኅዳር ሊቃውንትን ብዛዕባ ከባቢ ተፈጥሪ ዝሓልዩ መንግሥታውያንን ዘይመንግሥታውን ማሕበራትን ሰላማውያን ዜጋታት ክዋስኡ ግድን ምዃን ከምዘመልከቱን ተገሊጹ።

ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ በርጠለሚዮስ ቀዳማይ ንመላእ ተጋባእያን ኣመስጊኖም እዚ ዓይነት ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ንዝግበር ዘተ ዘተባብዕ እውን ምዃኑ ከምዘመልከቱ ተሓቢሩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ነቲ ጉባኤ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብናይ ኔው ኦርሊንስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ግረጎርይ ሚካኤል ኣይሞንድ ከምእተነበ ተረጋጊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.