2009-10-27 13:53:44

ሉምሳ፣ ቅድስቲ ማርያም ዘፈለሰት መንበረ ጥበብ


ብ 1939 ዓ.ም. ብዛዕባ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ስነ ሥልጣን ትምህርቲ ላዕለዋይ ተቛም ኮይኑ ዝተመሥረተን ኣብ 1989 ዓ.ም.ፈ ሉምሳ ብዝብል ኣህጽሮተ ቃል ዝጽዋዕ ቅድስቲ ማርያም ዘፈለሰት መንበረ ጥበብ ኮይኑ ኣገልግሎት RealAudioMP3 ክህብ ከምዝጀመረ ክዝከር እንከሎ፣ እነሆ እዚ መንበረ ጥበብ መበል 70 ዓመት ምሥረታኡ ትማሊ ኣብ ባሲሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘ ላተራኖ ብዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዝበዓለ ተገሊጹ።

እዚ መንበረ ጥበብ ሎሚ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፓሌርሞ ኣብ ታራንቶን ካልታኒሰታን ጉቢዮን ጨንፈር ዘለዎ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፣ ነቲ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝሠረዑ ናይ ሮማ ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣጎስቲኖ ቫሊኒ ከምዝኾኑንን፣ ንምኽንያት መበል 70 ዓመት ምሥረታ ዝተፈላለዩ ናይ ባህሊ ጉባኤታት ክካየዱ ምዃኖም ክንገር እንከሎ፣ ብናይ ቫቲካን ፖስታ ቤት ናይ መዘከርታ ቴምብር ክሕተም እውን ምዃኑ ተገሊጹ።

ናይ’ዚ መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ፕሮፈሶሮ ጁዜፐ ደላ ቶረ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገርበዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣዛ መንበረ ጥበብ’ዚኣ ዝተፈላለዩ መልካዊ ሥርዓታት መደብ ሕንጸታትን ኣቢያተ ትምህርትታትን መናብርተ ጥበብን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታው ኣብ ዝተዋፈረሉን ኣብ ልዕሊ ተመሃሮን መምሃራንን ዓቢ ጸገም ንምፍጣር ኣብ ዝተበገሰሉ እዋን ዝተመሥረተ ናጻ መንበረ ጥበብ ከምዝኾነን፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብቲ ኣዋን ንኽምሥረት ብዙሕ ጸገማት ከምዘሕለፈን ነቲ ክቡር ዋጋ ሕይወት የለን ኩሉ ሓደ ኢዩ ዝብል ዝስፋሕፋሕ ዝነበረ ባዶኣውነት ዘንጸባርቕ ባህሊ ብምቅዋም ዝተመሥረተ ከምዝኾነን ኣውን ገሊጾም፣ ኣብ ዝሓለፉ 70 ዓመታት እዚ መንበረ ጥበብ ዓበይቲ ምዕባለታት ከምዘረጋገጸን ሓቢሮም፣ ዕለት 12 ሕዳር 2009 ዓ.ም.ፈ. ሓፈሻዊ ምጅማር ትምህርቲ ናይዚ መንበረ ጥበብ ከምዝኾነን በዛ ዕለት ምኽንያት መምሃራንን ተመሃሮን ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ክራኸቡ ምዃኖም እውን ገሊጾም፣ እዚ መንበረ ጥበብ ዓለም ለኻዊ ርክባት ማለት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብሕልፊ ድማ ኣብ ድኻታት ሃገራት ምስ ዝርከባ መናብርተ ጥበብ እውን ኣብ ሓገዝ ሕንጸት ዘተኮረ ርክባት የካይድ እንክብል ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.