2009-10-24 14:21:13

ወግዓዊ ካልኣይ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ፣ ጠቕላሊ ሰነድ


ኣብ ቫቲካን ዕለት 04 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም.ፈ. ዝተከፍተ ወግዓዊ ካልኣይ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ ትማሊ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዝተረኸብሉ ጉባኤ፣ ናይዚ ሲኖዶስ ጠቅላሊ ሰነድ ብቋንቋታት እንግሊዝን ፖርቱጋልን ፈረንሳይን ጣልያንን ተጻሒፉ ከምዝቐረበን ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ነቲ ሰነድ ብሓጎስ RealAudioMP3 ከምእተቐበልዎ ተረጋጊጹ።

“ኣፍሪቃ ተንስኢ ተንቀሳቀሲ” ዝብል ምዕዳን ኣብ ዝተጨራሓሉ ናይ ሲኖዶስ ጠቕላሊ ሰነድ፣ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ ኣፍሪቃ ገዛእ ርእሳ ኣብ ቀቢጸ ተስፋነት ምሕዳግ ኣቋሪጻ ንሕዳሴን ለውጥን ክትብገስ ከምዘለዋ የተሓሳስቡ።

እዚ ጠቕላሊ ሰነድ ናይ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሸውዓተ ዓናቕጽ ዝተኸፍለን መደምደምታ ዘለዎን ኮይኑ፣ ካህናት ኣብ ንጽሕናን ድግልናን ተኣዝዞን ድኽነት ክጸንዑን ዓለማውይን ምእመናን ካብ ሸለልተይናነት ሃዋሁ ተላቒቖም ኣብ ዕለታዊ ሕይወቶምን ብዅሉ መዳይ እምነት ክርስትና ክነብሩ ዝተጸዎዑ ልኡካነ እግዚኣብሔር ምዃኖምን ዘነቓቕሑ ጻውዒት ዘሰፈሮን ምእንቲ’ዚ ድማ ዓለማውያን ምእመናን ቀጻሊ ሕንጸት ክረኽቡን ናይ ካቶሊክ መናብርተ ጥበብ ምስፍሕፋሕ ዝብሉ መደባት ተነቢሩሉ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቲ ሰነድ ቀጺሉ ኣፍሪቃ ምግባረ ብልሽውና ንምውጋድ ዝጋደሉን ንረብሓ ኣፍሪቃን ሕዝባን ዝተግሁ ቅዱሳት ናይ ፖለቲካ ኣካላት ከምዘድልይዎ ብምጥቃስ፣ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ነዚ ዓይነት ሕይወት ክነብሩን መታን ዘይኣይምኑ ጸጋ እምነት ክቕበሉን ወይ ድማ ሕዝብታት ኣፍሪቃ ተኣማንነት ክህልዎን ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተጸሚዱ ንካቶሊክ ቤተ ኣቢያተ ክርስትያን ካብ ዝጎድኡ ካብ ማሕበራዊ ኣገግልሎት ዕዮኦም ክርሑቁን፣ እዚ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ተጸሚድካ እትህቦ ኣገልግሎት ምኽንያት ዕንቅፋትን ጉድኣትን ካብ ዝኸውን ኣቲ እትህቦ ኣገልግሎት ምሓዳጉ ዝዓበየ አገልግሎት ምዃኑ ዘረድእ ክኸውን እንከሎ፣ ሥድራ ቤታት ካብ ዝተፈላለዩ ዘመን ኣምጸኦ ጉጉይ ንድፊ ሓሳባት ገዛእ ርእሶም ክሕልዉን ቤተ ሰብ እተዕንው ሃገር ኣንጻር ናይ ገዛእ ርእሳ ረብሓ ከምትዋፈር ብፁዓን ኣበው ሲንዶስ ብምትሕስሳብ፣ መንግሥታት ሥድራ ቤታት ካብ ድኽነት ንኽላቐቑ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ክድግፎም ኣብቲ ጠቕላሊ ሰነድ ጻውዒት የቕርቡ።

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣብቲ ጠቕላሊ ሰነድ ካቶሊካውያን ደቅ’ንስትዮን ደቅ’ተባዕትዮን ናይ ከባቢ ኣቢያተ ክርስትያን ዓንዲ ሕቖ ምዃኖም ብምግላጽ፣ ናይ ሕንጸት ድጋፍ ክረኽቡን ካብ ወጻኢ ናይ ዝውሕዙ ምጥቃም ዘደንዝዙ ዕጸዋትን ፋሉልን ዘይተኣደበን ጾታዊ ርክብ ካብ ዘስፋሕፍሑ ስነ ሓሳባት ገዛእ ርእሶም ክሕልዉ ብምትሕስሳብ፣ ካቶሊካውያን ሰማዕታትን ኃላፍነቶም ዘኽብሩን ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ዝኸናኸኑ ክኾኑን ንደቆም ኣብነት ኮይኖም ንናይ ደቆም ዝተማላኤ ሕንጸት ክተግሁን ጻውዒቶ ኣቕሪቦም ኣለዉ።

ብፁዓን ኣበው ቀጺሎም እቶም ኣብ ብዝሒ ሕዝቢ ኣፍሪቃ 60% ዝሽፍኑ ትሕቲ 25 ዓመት ዝኾኑ ናይ ኣፍሪቃ ናይ መጻኢ ዕድልን ዑቕር ኃይልን ንዝኾኑን መንእሰያት ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ሻራ ሃይማኖታትን ግብረ ሽበራን ዓመጽን ክሕለዉ መታን ነዚ ዘተኮረን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክስፋሕፋሕን ብምትሕስሳብ፣ ቀጺሎም ዓለም ሓቆፍ ማኅበረሰብ ንኣፍሪቃ ከኽብራን ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃ ዝኽተሎ ናይ ኤኮኖሚ መምርሒታት ክልውጥን ናይ ኣፍሪቃ ናይ ወጻኢ ዕዳ ክሓክኽን፣ ኅብረ ትካላት ንኣፍሪቃ ሓገዝ ብዝምል ጉልባብ ንኣፍሪቃውያን ረብሓ ዘየተኮረ ኣብ ኣፍሪቃ ዝፍጽመኦ ምዝመዛ ናይ ተፈጥሮ ሃብት ከቋርጻ ኣብቲ ጠቕላሊ ሰነድ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ምስፍሕፋሕ ሕማም ኤይድስ ኣመልኪቶም ቤተ ክርስትያን ኣብ ወፈራን መደባትን ጸረ ኤይድስ ድሕሪት ትስራዕ ከምዘይኮነትን፣ እዚ ድማ ግሁድ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ሓቀይናን እሙንን ዓርኪ ኣፍሪቃን ኣፍሪቃውያን እንክብሉ ብጹዓን ኣበው ሲኖዶስ ብምስያም፣ ሕማም ኤይድስ ንምክልኻሉ፣ ምጥቃም ዓቃቢ ዘርኢ ምስፍሕፋሕ ምኻኑ ዘመልክቱ መደባትን ጎስጓሳት ምዕዳል ዓቃቢ ዘርኢ መፍትሒ ከምዘይኮነ ብምርዳእ፣ መከላኸሊኡ ንጽሕናን ኣብ ቃል ኪዳን ተኣማኒ ምዃን ኢዩ ቢሎም፣ እዚ ቤተ ክርስትያን እተተባብዖ መደብ ካብ ምጥቃም ዓቃቢ ዘርኢ ብሉጽ ውጺኢት ከምዘለዎ ዝተረጋገጸ ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ንውህደትን ምክብባርን ምቅብባልን ኣብ ዝኣመተ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ብእትፍጽሞ ርክብን ዘተን መሠረት፣ ካቶሊክ ቤት ክርስትያን ኣፍሪቃ ርክብ ምስ ባህላውያን ሃይማኖታት ኣፍሪቃን ካልኦት ሃይማኖታትን ብሕልፊ ድማ ምስ ሃይማኖት ምስልምና ዝግበር ዘተ ብምትብባዕ፣ ብስም ሃይማኖት ዝፍጸም ዝኾነ ይዅን ጽንፋውነትን ዓመጻትን ኩለን ሃይማኖታት ብሓባር ክዅንኦን ኣብ መግኖ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ምክብባር ክረጋገጽን መሠረታውያን መሰላት ሰብ ካብ ዘጠቓልሎም ሓደ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ምኽባር ዝብል ውሳኔ ክሕሎን ሃይማኖትካ ንኻልኦት ምክፋን እምበር በስገዳድ ምቕራቡ ክውገድ የተሓሳስቡ።

ናብ ዕርቂ ዘብጽሕ ሚስጢረ ንስሓን ኣብ ሰበኻታት መደብ ጎስጓስ ሰላምን ኣድላይነቱ ብጹዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣመልኪቶም፣ ኣክንዲ ሕነ ምፍዳይ ምምሕሓርን ይቕረ ምብህሃልን ምክብባርን ምቅብባልን ክህሉን ምስተን ጥንታውያን ኣቢያተ ክርስትያን ኢትዮጵያን ግብጽን ዘሎ ርክባት ምሕያልን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብቲ ጠቕላሊ ሰነድ ብፁዓን ኣበው አመልኪቶም፣ ልኡካነ ወንጌል ጋሻ ምቕባልን ምእንጋድን ወንጌላዊ ክቡር ዋጋ ምንዃኑ ኣሚኖም፣ ኣብ ፈቀዶ ሓገራት ዓለም ፋሕ ዝበሉ ኣፍሪቃውያን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ክእንገዱመታን ዝፍጽምዎ ግብረ ሃልዮን ቀጺሎም ኣብ መደምደምታ ነቲ ካብ ዝምሥረት 40 ዓመቱ ዘብዕል ዘሎ ናይ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ እውን ናይ ቤተ ክርስትይን ማኅበራዊ ትምህርቲ ንምስፍሕፋሕ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ንኢዶምን ኣመስጊኖምን፣ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብዝሒ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ 15 ዓመት ውሽጢ ካብ 15 ናብ 163 ክብ ከምዝበላን እዚ ድማ እቲ ኣብ ዓለምና ዝርኤ ዘሎ ቅልውላዋትን ምግርጫዋትን ኣብ ግምት ብምእታውን መራኸቢ ብዙሃን ዓለም ብዛዕባ ኣፍሪቃ ኣሉታዊ ሓበሬታ ኣብ ምስፍሕፋሕ ኣብ ዝጋየያሉ እዋን ዕሽሽ ክበሃል ዘይብሉ ዲል ምዃኑ ኣብቲ ጠቕላሊ ሰነድ ከምዘመልከቱ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.