2009-10-22 13:42:04

ፍትሕን ሰላምን ዕርቅን፣ ኣብ ሃገራት ዓበይቲ ቀላያት ኣፍሪቃ


እቲ ትማሊ ዝተኻየደ ዋዕላ ሲንዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሃገራት ዓበይቲ ቀላያት ኣፍሪቃ ፍትሕን ሰላምን ዕርቅን ክወርድ ናይ ኡጋንዳን ሱዳንን ኮንጎን ብፁዓን ጳጳሳትን ካብተን ከባቢታት ዝተልኣኹ ኣብ ሲንዶስ ዝሳተፉ ዘለዉ ተዓዘብቲ RealAudioMP3 ኣካላት ብሓባር ከምዝዘተዩን ብሕልፊ ድማ ኣብዘን ሃገራታ ኣብ ልዕሊ ሕፃናት ዝወርድ ዓመጽን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዝተማእከለ “ቅተል ከይቕተል” ብዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ እቶም ኣብዘን ሃገራት ኣብ ውትህድርና ዓለም ተዳጕይኖም ዝርከቡ ሕጻናት ጉዳይ እተዘንትውን ኣብቲ ናይ ትማሊ ዋዕላ ንንባብ ዝበቕዔት መጽሓፍ መሠረት ገይሮም እውን ምይይጥ ከምዘካየዱ ተረጋጉጹ። ብዛዕባ ሃገራት ዓበይቲ ቓላያት ኣፍሪቃ ጉዳይ ዝከታተል ጉጅለ ተዓዘብቲ ዘቖሙ ኮምቦናዊ ወንጌላዊ ልኡከ ወንጌል ኣባ ፈርናንዶ ዞሊ ኣብቲ ከባቢ ዝርኤ ዘሎ ውግእን ዓመጽን ንኽውገድ ብቐዳምነት ኩለን ሃይማኖታት ዘሳተፈ ንሰላም ዝኣመተ ናይ ሓባር ዘተ ክህሉ ይግባእ፣ እዚ ድማ ካብ ብሔራዊ ቅርጺ ሓሊፉ ብዓለም ለኸ ደረጃ ኣብ ከባቢ ሃገራት ዓበይቲ ቐላይ ኣፍሪቃ ፍትሕን ሰላምን ዕርቅን ንምርግጋጽ ምትጋህ የድሊ ኢሎም።

ኣብ ሱዳን ናይ ቶብሙራን ያምቢዮ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሂልቦሮ ኩሳላ፣ ሕፃናት ኣብ ውትህድርና ዓለም ከይዳጎኑ ወትሩ ጻውዒት ካብ ምቕራብ ድሕር ከምዘይበሉን፣ ኣብ ልዕሊ ሕፃናት ዝተፈላለዩ ዓመጻት ከይወርድ ብዝተፈላለየ መገዲ ብቤተ ክርስትያን ደረጃ ናይ ሕንጸት መደባት ከምዝረጋገጽ ሓቢሮም፣ እዚ ኣብ ልዕሊ ሕፃናት ዝፍጸም ገበን ንምውጋድ ምትሕብባር ዓለም ለኸ ምንቕቓሕ የድሊ። ንሕፃናት ናይ ትምህርቲ ዕድል ምፍጣር ንናይ ሕፃናት መሰልን ፍቓድን ምርግጋጽ መሠረት ድማ ምስፍሕፋሕ ናይ ሕይወት ባህሊ ከምዝኾነ ገሊጾም፣ እቶም ካብ ውትህድርና ዓለም ዝተላቐቑ ሕፃናት ምስ ኅብረተሰብ ተወሃሂዶም ብሰላም ንኽነብሩ ዘብቕዕ ነቲ ዘሕለፍዎ ስነ ኣእምሮኣዊ ሰብኣውን ማኅበራውን ጸቕጢ ንምብዳሕ ናይ ሰብኣውን ስነ ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ባህላውን ሕንጸት እውን ምሃብ ከምዘድልን ምእንቲ’ዚ ሕይወቶም ክሕደስ ብሰበኻ ደረጃ ዓቢ ደገፍ ከምዝግበር ሓቢሮም እዚ መደብ እዚ ብዙሕ ደገፍ ዘድልዮ ኢዩ ኢሎም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.