2009-10-22 17:53:12

ሲኖዶስ ጳጳሳት አፍሪቃ፡


ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ፡ እቲ አብ ውሽጢ ቫቲካን ዝካየድ ዘሎ ናይ ጳጳሳት አፍሪቃ ሲኖዶስ ይቅጽል አሎ ፡ብፁዓን ጳጳሳት አፍሪቃ ብዛዕባቲ ድሕሪ ሲኖዶስ ዝወጽእ መልእኽቲ ወይ ክአ ሰነድ ድኅረ ሲኖዶስ ክመያየጥሉን ክዝትይሉን ከም ዝቀነዩ ክዝከር ከሎ ጽባሕ ቅድሚ ቀትሪ ነቲ መልእኽቲ ብሐባር ከም ዝዝትይሉን ድምጺ ክህብሉን ትጽቢት አሎ ።
ካብቶም ካብ ክልተ ሚእቲ ንላዕሊ ዝቀረቡ ሐሳባት ተጸሚቆም ሐምሳን አርባዕተን ከም ዝኾኑ ክፍለጥ ከሎ ጽባሕ ዝውሰክ ወሲኾም ዝጐድል አጐዲሎም ከስነድውዎ ኢዮም ።

አብዚ አብ ውሽጢ ቫቲካን ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ አፍሪቃ 244 ጳጳሳት 33 በሰላት 29 ተዓዘብቲ ይሳተፉ ከም ዘለዉ ይፍለጥ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሎሚ ረፍዲ ናይ አፍሪቃ ሲኖዶስ ጳጳሳዊ ኮሚስዮን አብ ኢጣልያ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ምስ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ፍርንቻ ፍራቲኒ ተራኺቦም ህሉው ኩነታት አፍሪቃ ዘተኮረ ዘተ ከም ዘከየደ ተፈሊጡ አሎ ።

እቲ ጳጳሳዊ ኮሚስዮን ብብጹዕ ካርዲናል ፍራንሲስ አሪንዘ ከም ዝተመርሔ ይፍለጥ ።

ሲኖዶስ አፍሪቃ ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ከም ዝቅጽል ሰንበት ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝምራሕ አብ ካተደራል ሓዋርያ ጰጥሮስ መዛዘሚ ሲኖዶስ አፍሪቃ መስውዕተ ቅዳሴ ክዓርግ ኢዩ ።

ቀጺሉ አብ ኤርትራ ጳጳስ ኤጳርቅና አሥመራ ብፁዕ አቡነ መንግስትአብ ተስፋማርያም ምብጻሕ ጳጳሳት አፍሪቃ ጳጳሳዊ ኢትዮጵያዊ ኮለጅ ዝሀብዎ ርእይቶ ክትከታተሉ ትክእሉ ። RealAudioMP3








All the contents on this site are copyrighted ©.