2009-10-22 13:35:22

ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ


እቲ ካብ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ኣብ ቫቲካን ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመርኵይዙ ዝካየድ ዘሎ ወግዓዊ ካልኣይ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ ናይ ትማሊ መደብ ኣኼባኡ ሥቱር ከምዝነበረ ተገሊጹ። RealAudioMP3

ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣብ ነኣሽቱ ጉጅለታት ተመዲቦም እቲ ናይ’ዚ ሲኖዶስ ገና ብጽምጺ ክጸድቕ ዘለዎ ጠቕላሊ ሰነድ ኣደጊፎም ከምዝዘተዩ ተረጋጊጹ። ኣብ ግብጺ፣ ከተማ ካይሮ ናይ ከለዳዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሊቅ ጳጳስት ብፁዕ ኣቡነ ዩሰፍ ኢብራሂም ሳራፍ ናይ ምሥራቕ ሥርዓት ዝኽተላ ናይ ምሥራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ኣቢያተ ክርስትያን ሓወልቲ ተዘክሮ ናይ ስነ ጥንታዊ ታሪኽ ኣቢያተ ክርስትያንን ምእመናን ክርስትያንን ኮይኑ ከይተርፍ ብርቱዕ ጻውዒት ኣቕሪቦምን፣ ከምቲ ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ ኣብ ግብጺ ዝፈጸሞ ተልእኮ አስፍሆተ ወንጌል ሕጂ እውን ከምትማሊ ትብዓት ዝተመልኦ ኮይኑ ክፍጸም ኣተሓሳሲቦም፣ እዚ ዓይነት ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ናይ ዘርኣዮ ዝሑል ከይዲ ምኽንያት ኩለን ናይ ምስራቕ ሥርዓት ዝኽተላ ኣብ ምሥራቕን ሰሜንን ኣፍሪቃ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስትያን ክንስሓ ይግባእ ከምዝበሉ ካብ ኣዳራሽ ሲኖዶስ ዝተመሓላለፈ ምንጪ ዜና ይሕብር።

ብጹዕ ኣቡነ ዩሰፍ ኢብራሂም ሳራፍ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ኣፍሪቃ ብወንጌላዊ ቅዱስ ማርቆስ ካብ ግብጺ ዝተበገሰን ኣን ኑባይ ምስ በጽሔ ኣብኡ ተሪፉ ኣሎ፣ ስለዚ ኢየ ድማ እተን ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ናይ ምሥራቕ ሥርዓት ዝኽተላ ኣብ ምስራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝርከባ ኣቢያተ ክርስትያን እቲ ኣስፍሆተ ወንጌል ክስፍሕፋሕ ብዘይ ምኽኣሉ እዚ ድማ ናተን ድኽመት ከምዝኾነ ተኣሚነን ክንስሓ ኣለወን ዝበልኩ ኢሎም። ሕጂ እውን ኣኺሉ ክበሃል ኣይከኣልን ኢዩ፣ ግዚ ኣሎና ምእንት’ዚ እዘን ኣቢያተ ክስትያን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተቐበለኦ ወንጌላዊ ተልእኾ ኣብ ግብሪ ከውዕለኦ ይግባእ ኢሎም። ከምቲ መንፈስ ቅዱስ ንቶም ክዛረቡ ፈሪሖምን ተዓጽዮም ዝነበሩ ድሓር ግን ኣብ ሓዋርያዊ ተልእኾኦም ተባዓት ኮይኖም ሰማእትነት ንምቕባል ድሕር ከይብሉ ሓይሊ ዝኾኖም፣ እዘን ኣቢያተ ክርስትያን በዚ ተኣሚነን ብናይ መንፈስ ቅዱስ ኃይሊ ተመልኤን ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ክተግሃ ተጸዊዔን ኢየን፣ ንሳተን ዘይኮና ዝዛረባ በቲ ኃይሊ ዝኾነን መንፈስ ቅዱስ ተመልኤን ኢየሱስ ክርስቶስ ክሰብካ ኣብኤን ብኤኤን ዝዛረብ እግዚኣብሔር ኢዩ ኢሎም።

እዛ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣፍሪቃ ካቶሊካዊት ስለ ዝኾነት ኵላውነት መንፈስ ከተንጻባርቕን ክትነብርን ኣለዋ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.