Home Archivio
2009-10-21 18:33:52
ካልአይ ፍሉይ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት አፍሪቃ (ዝርዝር ኣስማት፣ ሊቀ መንበር፣ ኣባላት፣ ብቅዱስ ኣቦና ዝተመርጹ ሊቃውንትን ተሳተፍትን፣)
ብቅዱስ ኣቦና ዝተመርጹ ኣባላት ጉባኤ
ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ካብ ዕለት 4 ክሳብ 25 2009 ዓ.ም.ፈ. “ቤተ ክርስትያን አፍሪቃ ኣብ ኣገልግሎት ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን። ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም” ብዝብል ተማ ተመሪሑ ኣብ ከተማ ቫቲካን ዚካየድ ሲኖዶስ ጳጳሳት ፍሉይ ጉባኤ ኣፍሪቃ ንኽሳተፉ ነዞም ዚስዕቡ ሰባት መሪጾም። ናይቶም ብመሰል ናይ ጉባኤ ጳጳሳትን ብዘልዎም መዝነትን ዚዛተፉ ዝርዝር ኪስዕብ ኢዩ።
ሊቀ መንበርነት
ወከልቲ ሊቀ መንበራት
ብፁዕ ካርዲናል ፍራንሲስ ኣሪንዘ ልሂቀ ጳጳስ ናይ ሥርዓተ ኣምልኾን ሥርዓተ ምሥጢራት ቤተ ክርስትያንን እትኃሊ ማኅበር ኃላፊ ዝነበሩ
ብፁዕ ካርዲናል ተዮዶር ኣድርየን ሳር ናይ ሰነጋል ሊቀ ጳጳስ፣ ዳካር
ብፁዕ ካርዲናል ዊልፍሪድ ፎክስ ናፒየ፣ አባል ማኅበር ንኡሳን አኀው ካፑቺኒ፣ ናይ ደርባን ሊቀ ጳጳስ፣ ደቡብ አፍሪቃ
ዲስኩር ዘስምዑ
ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኮድዎ ኣፕያ ቱርክሶን፣ ናይ ከይፕ ኮስት ሊቀ ጳጳስ፣ ጋና
ፍሉያት ጸሐፍቲ
ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ አቡነ ዳምያኖ ኣንቶንዮ ፍራንክሊን ናይ ልዋንዳ ሊቀ ጳጳስ፣ ኣንጎላ
ብፁዕ አቡነ አድሞንድ ጂታንጋር፣ ናይ ሳር ጳጳስ፣ ቻድ
አባላት
ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ሶዳኖ፣ ናይ ካርዲናላት ማኅበር አፈ ጉባኤ
ብፁዕ ካርዲናል አንድረ ቪጝት ትርዋ፣ ናይ ፓሪስ ሊቀ ጳጳስ፣ ሃገረ ፈረንሳ
ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ አቡነ ሮበርት ሳራ፣ ናይ ስብከተ ወንጌል ኣህዛብ እትኃሊ ማኅበር ዋና ጸሓፊ
ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ አቡነ ሀንሪ ተሲየር፣ ናይ ኣልጀርስ ልሂቀ ጳጳስ፣ ኣልጀርያ
ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ አቡነ ጀም ፐድሮ ጎንካልቨስ፣ ናይ በይራ ሊቀ ጳጳስ፣ ሞዛምቢቅ
ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ አቡነ ኦርላንዶ ኰቨዶ አባል ማኅበር ልኡካን ውፉያት ማርያም (ኦብላቲ ዲ ማርያ) ናይ ኮታባቶ ሊቀ ጳጳስ፣ ናይ አስያ አቡናት ጉባኤ ፈደረይሽን ዋና ጸሓፊ፣ ፊሊፒንስ
ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ አቡነ ልዊጂ ብረሳን ናይ ትረንቶ ሊቀ ጳጳስ፣ ናይ ስብከተ ወንጌልን ምትሕብባር አብያተ ክርስትያናትን ኮሚሽን ጉባኤ ጳጳሳት ሃገረ ጣልያን ሊቀ መንበር፣ ዓዲ ጣልያን
ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ አቡነ ጆርጅ ፈረይራ ዳ ኮስታ ኦርቲጋ ናይ ብራግ ሊቀ ጳጳስ፣ ናይ ጉባኤ ጳጳሳት ሃገረ ፖርቱጋል ሊቀ መንበር፣ ፖርቱጋል
ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ አቡነ ሉድቪግ ሺክ ናይ ባምበርግ ሊቀ ጳጳስ፣ ናይ ቨልትኪርኸ ኮሚሽን ጉባኤ ጳጳሳት ዓዲ ጀርመር ሊቀ መንበር፣ ጀርመር
ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ አቡነ ራይሙንዶ ዳማሸኖ ኣሲስ ናይ አፕረሲዳ ሊቀ ጳጳስ፣ ናይ ላቲን አመሪካ ጉባኤ ጳጳሳት ሊቀ መንበር፣ ብራዚል
ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ አቡነ ጆርጅ አንሪኰ ጂመንዝ ካርቫያል አባል ማኅበረ ልኡካን ናይ ካርታጀና ሊቀ ጳጳስ፣ ኮሎምብያ
ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ አቡነ ተለስፎር ጆርጅ ምፑንዱ ናይ ሉሳካ ሊቀ ጳጳስ፣ ዛምብያ
ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ አቡነ ኮርነልዩስ ፎንተም ኤሳው፣ ናይ ባመንዳ ሊቀ ጳጳስ፣ ካመሩን
ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ አቡነ ዊልቶን ዳንኤል ግረጎሪ፣ ናይ ኣትላንታ ሊቀ ጳጳስ፣ ኅቡራት መንግሥታት አመሪካ
ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ አቡነ ሀንሪክ ሆሰር ጳጳስ ናይ ዋርሰው ፕራጋ፣ ፖላንድ
ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ አቡነ ገብርኤል ቻርል ፓልመር ቡክል፣ ናይ ኣክራ ሊቀጳጳስ፣ ጋና
ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ አቡነ ኦዶን ማሪ ኣርሰነ ራዛናኮሎናኣ፣ ናይ ኣንታናናሪቮ ሊቀጳጳስ፣ ማዳጋስካር
ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ አቡነ ሚሸል ክርስትያን ካርታተጉይ አባል ማኅበር ልኡካን አፍሪቃ፣ ናይ ንያመይ ኣክራ ሊቀጳጳስ፣ ኒጀር
ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ አቡነ አድዋርድ ታምባ ቻርለስ ናይ ፍሪታውንን ቦን ሊቀጳጳስ፣ ሲየራ ልዮን
ብፁዕ አቡነ ጆን ኣንቶንይ ረውስሶርን በዓል ሃላም፣ ናይ ካፎድ ዝበሃል ማኅበር ግብረ ሠናይ ጉባኤ ጳጳሳት ዓዲ እንግሊዝን ወይልስን ሊቀ መንበር
ብፁዕ ኣቡነ ማውሪስ ፕያት ኣባል ካህናት መንፈስ ቅዱስ፣ ናይ ፖርት ልዊስ ጳጳስ፣ ማውሪሸስ
ብፁዕ አቡነ አድሞንድ ጂታንጋር ናይ ሳር ጳጳስ፣ ቻድ
ብፁዕ አቡነ ፒተር ዊልያም ኢንጋም ጳጳስ ዎሎንጎንግ፣ ሊቀ መንበር ናይ ኦሽያንያ ጉባኤ ጳጳሳት ፈደረይሽን ሊቀ መንበር፣ አውስትራልያ
ብፁዕ አቡነ ልዊስ እንዛላ ኪያንዛ ጳጳስ ፖፖካባካ፣ ዲሞክራሳዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ
ብፁዕ አቡነ ዣን ፒየር ባሰነ፣ ናይ ኮልዳ ጳጳስ ናይ ርእሰ ሊቃነ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልአይ ማኅበር ግብረ ሠናይ ንሳሀል ሊቀ መንበር፣ ሰነጋል
ብፁዕ አቡነ ጆርጅዮ በርቲን አባል ንኡሳን ኣኀው ካፒቺኒ፣ ናይ ጅቡቲ ጳጳስ ሓዋርያዊ መስተናብር “ኣድ ኑቱም ሳንተ ሰዲስ” ናይ መቃዲሾ፣ ሶማልያ
ብፁዕ አቡነ መንግሥተአብ ተስፋማርያም ኣባል ማኅበር ካህናት ኮምቦኒ፣ ኤጳርቃ ናይ አሥመራ፣ ኤርትራ
ብፁዕ አቡነ ማሩን ኤልያስ ላሃም፣ ጳጳስ ቱኒስ፣ ቱኒዝያ
ጥቀ ክቡር ሞንሲኞር ኦቢዮራ ፍራንሲስ ኣይክ፣ ናይ አኑጉ ካቶሊካዊ ተቅዋም ምዕብልናን ፍትሕን ሰላምን አመሓዳሪ፣ ናይጀርያ
አባ ራይሞንድ በርናርድ ጉጆ፣ ናይ ኮቶኑ ናይ ፍትሕን ሰላምን ኮሚሽን ዞባዊ ጉባኤ ጳጳሳት ምዕራብ አፍሪቃ ዋና ጸሓፊ፣ በኒን
አባ ጁቨናሊስ ባይቱ ርወላሚራ፣ ናይ ማኅበራዊ ፍትሕን ግብረ ገብነትን ማእከልን ኣብ ካቶሊካዊ ዩኒቨርሲቲ ምብራቅ አፍሪቃ ናይ ማኅበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ማእከልን አመሓዳሪ፣ ናይሮቢ፣ ከንያ
ኣባ ጉለርሞ ልዊ ባሳን ኣባል ማኅበር ዶን ቦስኮ፣ ጠቅላሊ አመኻሪ ማኅበር ሳለዛውያን ዞባ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን
አባ ኢማኑወል ታይፓም አባል ማኅበር ልኡካን፣ ናይ ጉባኤ ላዕለዎት አሕሉቅ ማኅበራት ኣፍሪቃን ማዳግስካርን ኮንፈደረይሽን ዋና ጸሓፊ
ኣባ ዘፈሪኖ ዘካ ማርቲን አባል ማኅበር መለኮታዊ ቃል፣ ናይ አንጎላ ማኅበር መለኮታዊ ቃል ጠቅላሊ ኃላፊ
ሊቃውንቲ
ኣባ በርተለሜዎስ ኣዱኮኑ፣ ቋንቋ ፈረንሳ ናይ ዚዛረቡ ምዕራባዊ አፍሪቃ ዞባ ጉባኤ ጳጳሳት ዋና ጸሓፊ፣ ኣይቮሪ ኮስት
ኣባ ፖል በረ ኣባል ማኅበር ኢየሱሳውያን፣ ኣብ ኣቢጃን ናይ ኢየሱሳውያን ተቅዋም ንባበ መልኮትን ካቶሊካዊ ዩኒቨርሲታ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣቢዲጅንን ኣይቮሪ ኮስትን ከምኡ እውን ኣብ ሀኪማ ኮለጅ ናይ ኢየሱሳውያን ቤት ትምህርቲ ንባበ መለኮት መምህር ብሉይ ኪዳንን ቋንቋታት ቅዱስ መጽሓፍን፣
ኣባ በነዘት ቡጆ፣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፍራይቡርግ-ስዊዘርላንድ መምህር ሞራል ቲዮሎጅን ሶሻል አቲክስን
ኣባ በልሚሮ ኪሰንጉወቲ ኣባል ካህናት ማኅበር መንፈስ ቅዱስ፣ ናይ ጳጳሳዊ ኮሚሽን ፍትሕን ሰላምን ናይ ጉባኤ ጳጳሳት አንጎላ ዋና ጸሓፊ፣ ሉዋንዳ ኣንጎላ
ኣባ ጃን ፍራንቸስኮ ኮልዛኒ፣ ኣብ ጳጳሳዊ ዩኒቨርሲቲ ኡርባንያና መምህር ተሎጊያ ስብከተ ወንጌል፣ ሮማ-ኢጣልያ
ኣባ ሚካኤል ቸርንይ ኣባል ማኅበር ኢየሱሳውያን፣ ናይ አፍሪቃ ናይ ኢየሱሳውያን መርበብ ረድኤት ናይ ኤይድስ፣ ናይሮቢ-ከንያ
ፊሎመና ሆሰ ኤልያስ፣ ኣባል ቤት ምኽሪ ግብረ ተልእኮን ሥርዓተ አምልኾን ናይ ካተድራል ማፑቶ፣ ሞዛምቢቅ
ማርቲን ኤሶ ኤሲስ፣ ልሂቀ መምህር ናይ ሥነ ቝጠባ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣቢጃን፣ ኣይቮሪ ኮስት
እናቴ ኣን ቢኣትሪስ ፋየ ኣባል ማኅበር ንጽሕት ድንግል ማርያም፣ ጠቅላሊት አማኻሪት ናይ ደናግል ማኅበር ንጽሕት ድንግል ማርያም፣ ሰነጋል
ደዮግራስያስ ካሱጃ፣ አማኻሪ ማእከል ተግባር ማርያም፣ ኣብ መንፈሳዊ ሕንፀት ዝሕግዙ ምንቅስቃስ፣ ኡጋንዳ
ማርያም ፖል ከሲ፣ ሃገራዊ አወሃሃዲ ሰብ ሙያ ታንዛንያ፣ ምኽትል ጸሓፊ ናይ ፍትሕን ሰላምን ኮሚሽን ጉባኤ ጳጳሳት ታንዛንያ
እናቴ ኤልሳ ኪዳነ ኣባል ማኅበር ደናግል ኮምቦኒ፣ ጠቅላሊት አማኻሪት ደግናግል ኮምቦኒ፣ ኤርትራ
ጥቀ ክቡር ሞንሲኞር ማቴው ሃሳን ኩካህ፣ ወኪል አቡን ናይ ካዱና፣ ናይጀርያ
ኃው ሆሰ ሰባስትያኦ ማኑወል ሞዛይኮ ናይ ዝበሃል ባህላዊ ማእከል ልዋንዳ መሥራትን አመሓዳርን፣ ኣንጎላ
ኣባ ኣይማብል ሙሶኒ አባል ማኅበር ዶን ቦስኮ፣ ኣብ ጳጳሳዊ ናይ ሳለዛውያን ዩኒቨርሲቲ ሮማ መምህር ሥነ ቤተ ክርስትያን (አክለስዮሎጂ)
እናቴ ኢማኩለይት ናካቶ አባል ማኅበር ደናግል ኪዳነ ምሕረት፣ ጠቅላሊት ኣማኻሪት ማኅበር ደናግል ኪዳነ ምሕረት
ዩቨን ንዳዪከዛ፣ ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ምንቅስቃስ ካትሊካዊ ተግባር ብሩንድን ናይ ቤት ምኽሪ ምእመናን ዋና ጸሓፍን፣ ቡጁምቡራ-ቡሩንዲ
ኣባ ጆሰፍ ማሪ ንዲኦካላ፣ ኣብ ካቶሊካዊ ዩኒቨርሲቲ ማእከላይ አፍሪቃ መምህር ንባበ መለኮትን ሊቀ መንበር ናይ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊ ማኅበር ስብከተ ወንጌል ንአፍሪቃን፣ ያውንደ-ካመሩን
ኣባ ፓውሊኑስ ኢከኹኩ ኦዶዞር ኣባል ካህናት ማኅበር መንፈስ ቅዱስ፣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኖትረ ዳም ተሓባባሪ መምህር ክርስትያናዊ ግብረ ገብነትን ንባበ መለኮት ኣብያተ ክርስትያን ዓለምን፣ ኖትረ ዳም - ኢንዲያና - ሕቡራት መንግሥታት አመሪካ
እናቴ ተረዛ ኦኩረ፣ ኣብ ካቶሊካዊ ተቅዋም ምዕራብ ኣፍሪቃ ሓላፊት ክፍሊ ንባበ መለኮት፣ ፖርት ሃርኮርት - ናይጀርያ
ፍሎረንስ ኦሉ፣ ኣብ እስትርስሞር ዩኒቨርሲቲ ምክትል ምምሕዳር፣ ናይሮቢ - ከንያ
ኣባ ጎድፍረይ ኢግወቢዩከ ኦና፣ ናይ ጳጳሳዊ ዩኒቨርሲቲ ኡርባንያና ምክትል አመሐዳሪ፣ ሮማ - ዓዲ ጣልያን
ፈሊስያ ኦንየኣቦ፣ ናይ ካቶሊካውያን ሃገራዊ ማኅበር ደቀንስትዮ አደ መንበር፣ ናይጀርያ
ኣባ አንጀሎ ፓለሪ፣ ጠቅላሊ ልኡኽ ናይ ማኅበር ንኡሳን ኣኀው ዕፅዋት ካፑቺኒ፣ ከምኡ እውን አመሐዳሪ ንዝርጋሔ ቤተ ክርስትያን ኣብ አፍሪቃ፣ ዛምብያ
ኣባ ሳሚር ኻሊል ሳሚር ኣባል ኢየሱሳውያን ካህናት፣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቅዱስ ዮሴፍ መምህር ታሪኽ ባህሊ ኣዕራብን እስላማዊ መጽናዕትን፣ በይሩት - ሊባኖስ
ማውሪስ ሳንዱኖ፣ ሕማም አች አይ ቢ አይድስ ካብ አደ ናብ ሕፃን ከይተሓላለፍ ዚቃለስ ድሪም ፕሮግራም ሓላፊ፣ ኮናክሪ - ጊኒ
ኣባ ኪንኩፑ ለዮናርዶ ሳንተዲ፣ ናይ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ጉባኤ ጳጳሳት ዋና ጸሓፊ፣ ኪንሻሳ - ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ
እናቴ ሊልያነ ስወኮ ማንኬላ፣ ጠቅላሊት አማኻሪት ናይ ማኅበር ደናግል እግዚእትነ ማርያም ናይ ናሙር፣ ኪንሻሳ - ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ
ኣባ ኣንሰልም ኡሞረን፣ ናይ ማኅበረ ልኡካን ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ጠቅላሊ ሓለቃ፣ ኣቡጃ - ናይጀርያ
ሰማዕትን - ተዓዘብትን
እናቴ ማርየ በርናርድ ኣሊማ ምባሉላ፣ ናይ ኮንጎ ሃገራዊ ጉባኤ ጳጳሳት ኮንጎ ኮሚሽን ፍትሕን ሰላምን ዋና ጸሓፊ፣ ከምኡ እውን ናይ ማኅበር ጉባኤታት ጳጳሳት ማእከላይ ኣፍሪቃ፣ ኪንሻሳ - ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ
ኣባ ጆዋኪን ኣሌንደ፣ ናይ ኣብ ጸገም ንዘለዋ ኣብያተ ክርስትያን ዚሕግዝ ማኅበር ዓለምለኻዊ ሊቀ በምበር
ኤላርድ ኣሉማንዶ፣ ናይ ድሪም ፕሮግራም ሃገራዊ ሓላፊ፣ ማላዊ
ማርጕረት ባራንኪትሰ፣ ማኢሶን ሻሎመ ናይ ዚበሃል ማኅበር መሥራቲት፣ ሩዪጂ - ቡሩንዲ
ፓውሎ በቸጋቶ፣ ናይ ካሪታስ ኢታልያና ዓለም ለኻዊ ሓላፊ፣ ሮማ
ኢማኑወል ሃቡካ ቦምባንደ፣ ናይ ምዕራብ ኣፍሪቃ ሕንፀተ ሰላም መርበብ ሓላፊ፣ ጋና
ሮዝ ቡሲንግየ፣ መሥራቲትን አደ መንበርን ናይ ዓለም ለኻዊ መራኸቢ ነጥቢ ዝተባህለ ማኅበር፣ ካምፓላ - ኡጋንዳ
ሙንሽያ ቺቢሎ፣ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ መበል 23 ማኅበር ሊቀ መንበር፣ ዛምብያ
ቶማስ ድያራ፣ ናይ ትምህርቲ ክርቶስ መሠልጠኒ ማእከል አሠልጣኒ፣ ካቲ - ማሊ
ኣሳንደ ማርሻል አባ፣ ናይ ዓለም ለኻዊ ማኅበር ሰላም ኖትረ ዳም አባል፣ ያሙሱክሮ - ኣይቮሪ ኮስት
ክፓኪለ ፈለሙ፣ ናይ ድሪም ሰንተር ሓላፊ፣ ኮናክሪ - ጊኒ
ኣኸለ ፊሸር፣ ቋንቋ ፈረንሳ ናይ ዚዛረቡ ክፍሊ በልጅዩም ናይ ፍትሕን ሰላምን ኮሚሽን ዋና ጸሓፊ፣ ብሩሰልስ - በልጅዩም
ኢንማኩላዳ ሚርያም ጋርስያ ኣብሪስኰታ፣ ናይ ማኖስ ኡኒዳስ ዚበሃል ግብረ ሠናይ ማኅበር አደ መንበር፣ ሃገረ እስፓኛ
እኅው ኣርማንድ ጋሪን፣ ናይ ናኣሽቱ ኣኅዋት ኢየሱስ ንሰሜን ኣፍሪቃ ዞባዊ ሓላፊ (ኣልጀርያን ሞሮኮን)፣ ኣናባ - ኣልጀርያ
አለና ግያኪ፣ ኣብ ካቶሊካዊ ዩኒቨርሲቲ ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ናይ ሮማ ናይ ማሕጸንን መጽናዕቲ ባህርያዊ ምክልኻል ጥንስን ማእከል ናይ ማሕጸን ክኢላን ሓኪምን፣ ዓዲ ጣልያን
እንቴ በርንደት ጊሱ፣ ጠቅላሊት ሓለቃ ናይ ማኅበር ደናግል ፅንሰታ ለማርያም፣ ኡጋዱጉ - ቡርኪናፋሶ
ክሪስቶፍ ሃቢያምበረ፣ ፊደስኮ ናይ ዝተባህለ ማኅበር ሊቀ መንበር፣ ኪጋሊ - ርዋንዳ
እናቴ ፈሊስያ ሃርይ፣ ናይ እግዝእት ሓዋርያት ልኡካን ደናግል ማኅበር ጠቅላሊት ሓለቃ፣ ጋና
ጁለ ኣዳሸደ ሁንክፖኑ፣ ናይ ዓለም ለኻዊ ምውህሃድ መንእሰያት ሠራሕተኛታት ክርስትያን ዋና ጸሓፊ
ማሪ ማደለን ካላላ ንጎይ ሞንጊ፣ ናይ ሰብአዊ መሰላት ናይ ክብሪ ሚኒስተር፣ ዲሞክራሲያዊት ሪፓፕሊክ ኮንጎ
ኣባ እስፐራቱስ ካማንዚ፣ ናይ ሓዋርያት ክርስቶስ ማኅበር ጠቅላሊ ሓለቃ፣ ናይሮቢ - ከንያ
ጆሳፋት ላውረን ካኒዋንዪ፣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዳረ ሰላም ተሓጋጋዚ ፕሮፈሰር ናይ ሕጊ፣ ዳረ ሰላም - ታንዛንያ
እናቴ መርይአን ፈሊሲታስ ካቲቲ፣ ናይ ናአሽቱ አገልገልቲ ንጽሕት ድንግል ማርያም ማኅበር እመ ምኔት፣ ዛምብያ
ኤደም ኮጆ፣ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ዋና ጸሓፊ ነበር፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር፣ ኣብ ናይ ሎመ ቅዱስ ጳውሎስ ተቅዋም መመህር ትምህርተ አበው፣ ቶጎ
ጉስታቨ ሉንጂዊረ ንታኮ ንናንቩመ፣ ናይ ቅዱስ ዛፍየር ካቶሊካዊ ተግባር ምንቅስቃስ ዓለም ለኻዊ ጸሓፊ፣ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ
ንጎን ካ ኒንግወዮ ፍራንስዋ ማጃዱም፣ ናይ ካቶሊካዊ ረድኤትን ምዕባለን ትካል ሓላፊ፣ ቻድ
እናቴ ጃኰሊን ማንዪ ኣታቦንግ፣ ናይ ኢየሱስ ሕፃን ቅድስት ተረሳ ደናግል ሰበኻ ቡወ ተሓጋጋዚት ሓለቃን፣ ናይ ዓለም ለኻዊ ካቶሊካዊ ኮሚሽን ግብረ ተልእኮ እሱራት አተሓባባሪት ንኣፍሪቃን፣ ዱኣላ - ካመሩን
እናቴ በርናደት ማሰካመላ፣ ናይ ቀራንዮ ደናግል ማኅበር ጠቅላሊት ሓለቃ፣ ቦትስዋና
ኣባ ሪቻርድ መናትሲ፣ ናይ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ኅብረ ዞባዊ ርክብ ናይ ፍትሕን ሰላምን ክፍሊ ኣካያድን ኣተሓባባርን፣ ሃራረ - ዚምባብወ
እናቴ ቸቺልያ ምኾንቶ፣ ናይ ቅድስት ብሪጅት ማኅበር ደናግል ጠቅላሊት ሓለቃ፣ ደቡብ አፍሪቃ
ኤርመሊንዶ ሮዛርዮ ሞንተይሮ፣ ናይ ጳጳሳት ሞዛቢቅ ናይ ፍትሕን ሰላም ኮሚሽን ዋና ጸሓፊ፣ ማፑቶ - ሞዛቢቅ
ማጀድ ሙሳ ያኒ፣ ናይ ላዕላዋይ ምስሪ ናይ ትምህርትን ምዕባሌን ማኅበር ኣመሐዳሪ፣ ግብጺ
ኣሎይሰ ራይሞንድ ንድያየ፣ ናይ ሠራዊት ማልታ ማኅበር ኣብ ሰነጋል ናይ ሃገራዊ ኮሚቴ ሊቀ መንበር፣ ዳካር - ሰነጋል
ላውርየን ንተዚማና፣ ናይ ቡታረ ሰበኻ ምሩቅ ተሎጊያ፣ ርዋንዳ
ኣባ ሺን ኦ ላሪ፣ ናይ ደኒስ ሃርሊ ናይ ሰላም ተቅዋም አመሓዳሪ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ
እናቴ ፓውሊን ኦዲያ ቡካሳ፣ ና ባ ማሪያ ኣኃት ማሕበር ጠቅላሊት ሓለቃ፣ ቡታ ወለ - ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ
ኣጉስቲን ኦካፎር፣ ናይ መንግሥታዊ ምምሕዳር ሊቅ፣ ናይጀርያ
ኦሮኪ ሳሙኤል ኦራክ፣ ናይ ኡጋንዳ ካቶሊካዊ ቤት ጽሕፈት ሕክምና ምክትል ጸሓፊ፣ ኡጋንዳ
ባርባራ ፓንዶልፊ፣ ናይ ዓለማዊ ተቅዋም ልኡካን ኣኃት ናይ ንግሥነት ክርስቶስ ማኅበር አደ መንበር
ኣልበርቶ ፕያቲ፣ ናይ ኣቭሲ ፋውንደይሽን ዝበሃል ማኅበር ዋና ጸሓፊ፣ ሚላኖ - ሃገረ ጣልያን
ራዮሞንድ ራንጀቫ፣ ናይ ዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ነዘርላንድስ ምክትል ሊቀ መንበር ነበር፣ ኣባል ጳጳዋዊ ቤት ምኽሪ ፍትሕን ሰላምን
ጀነቬቭ ኣማልያ ማቲልደ ሳንዝ፣ ናይ ካቶሊካዊ ምንቅስቃስ ኣፍቅሮተ ቤት - ተግባር ማርያም ሓላፊ፣ ኣቢጃን - ኣይቮሪ ኮስት
ቪክቶር ሸፈር፣ ናይ ነዘርላንድ ናይ ፍትሕን ሰላምን ኮሚሽን ዋና ጸሓፊ፣ ዘ ሀይግ - ነዘርላንድ
እኅው ኣንድረ ሰነ፣ ናይ ሰበኻ ትየስ ናይ ጥዕና ግብረ ተልእኮ ሓላፊ፣ ሰነጋል
እናቴ በዱር ኣንቱን ኢሪኒ ሸኑዳ፣ ናይ እግእተ ሓዋርያት ልኡካን ደናግል ማኅበር እመ ምኔት፣ ካይሮ - ግብጺ
ፒየር ቲቲ ንወል፣ ናይ ካመሩን ሃገራዊ ጉባኤ ጳጳሳት ናይ ፍትሕን ሰላምን ሃገራዊ ኣገልግሎት አወሃሃዲ ነበር፣ ያውንደ - ካመሩን
ኤሊዛበት ትዊሳ፣ ናይ ዓለማዊ ማኅበር ካቶሊካውያን ደቀነስትዮ ማኅበራት ምኽትል አደ መንበር
እናቴ ማርያ ኢፈኩክዉ፣ ናይ ደቂ መለኮታዊ ፍቅሪ ማኅበር ደናግል ጠቅላሊት ሓለቃ፣ ኤኑጉ - ናይጀርያ
እናቴ ጀነቭየቭ ኡዋማርያ፣ ኣባል ተቅዋም ቅድስት ማርያም ናይ ናሙር፣ ርዋንዳ
All the contents on this site are copyrighted ©.