Home Archivio
2009-10-21 18:33:23
ኤውሮጳ
ኣብ ከባቢ ሰሜን ባሕሪ ሜዲትራኒያን ዝርከባ ሃገራት ኤውሮጳ ሓደጋ ባራዕ ሓዊ ብዙሕ ኣግራብን ዱርን ተፈጥሮን የብርስ ከምዘሎ ተሓቢሩ። እዚ ኣብ ስፐይንን ፈረንሳን ኢጣሊያ
ግሪክን ብዝያዳ ዝረኤ ዘሎ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ክኸውን እንከሎ፣ ኣራጎናን ካታሎኛን ኣዚየን ዝተጠቕዓ ከምዝኾናን ልዕሊ 15 ሺሕ ሄክታር ዝግመት ምሕርቲ ሕርሻ ከምዝበረሰን፣ ነቲ ባርዕ ሓዊ ንምጥፋ ካብ ዝተዋፈሩ ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ 5 ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞም ተገሊጹ።
ኣብ ኢጣሊያ ከባቢ ሳርዴኛ ዝወረደ ሓገዳ ባርዕ ሓዊ ይስፋሕፋ ከምዘሎ ክንገር እንከሎ፣ ነቲ ባርዕ ሓዊ ንምጥፋእ ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ከምዝተፋሩን በዚ ሓዳጋ ዝጥቅዓ ዘለዋ ሃገራት ነዚ ዓይነት ሓደጋ ንምቁጽጻር ይተሓባበራ ከምዘለዋ ተገሊጹ።
All the contents on this site are copyrighted ©.