2009-10-21 18:32:27

አብ ኤርትራ ዓሰርተ ክልተ ዲያቆናት መዓርገ ክህነት ተቀቢሎም.


አብ ኤርትራ ብ18 ሐምለ ዓሰርተ ክልተ ዲያቆናት መዓርገ ክህነት ከም ዝተቀበሉ አብ ቤት ጽሕፈት ካሪታስ ኤርትራ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙኀን ዳይረክተር አባ ክብሮም ጸጋይ መግለጺ ክም ዝሀቡ ይምልከት።

አባ ክብሮም ጸጋይ ከም ዘመለክትዎ ናይ ኤጳርቅና ከረን ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ኪዳነማርያም የዕብዮ አብ ዘርአ ክህነት አሥመራ ንዝተሀንጹ ሽዱሽተ ዲያቆናት አብ ካተድራል ቅዱስ ሚካኤል ከረን መዓርገ ክህነት ሂቦም።

ጳጳስ ኤጳርቅና አሥመራ ብፁዕ አቡነ መንግስትአብ ተስፋማርያም ክአ አብ አሥመራ ንሽዱሽተ ዲያቆናት መዓርገ ክህነት ከም ዝሐቡ አባ ክብሮም ጸጋይ መግለጺ ከም ዝሀቡ ይምልከት።

ዓቢ ዘርአ ክህነት አሥመራ አብ ውሽጢ ሐደ ዓመት ዓሰርተ ክልተ ካህናት ከፍሪ አብ ታሪኹ እዚ ናይ መጀመርያ ግዜ ከም ዝኾነ ፊደስ ዝተባህለ አገልግሎት ዜና አመልኪቱ።

ዘርአ ክህነት አሥመራ ብ1845 አብ ጐልዓ ትግራይ ብቅዱስ ያዕቆብ ዩስጢኖስ ከም ዝተመሥረተን ብ1869 ንኤርትራ ንከረን ከም ዝተዘዋወረ ድሐር ክአ ብ1959 ነሥመራ ከም ዝግዓዘ ፊደስ አገልግሎት ዜና አዘኻኺሩ።

ዘርአ ክህነት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ አብ ሐደ ግዜ ዓሰርተ ክልተ ዲያቆናት መዓርገ ክህነት ክህብ እዚ አብዚ ወርሒ”ዚ ብዓሰርተ ሸሞንተ ሐምለ 2009 ዝተፈጸመ ብብዝሒ መፍረ ካህናት ናይ መጅመርያ ግዜ ከም ዝኾነ ክዝከር ከሎ፡ ብዕስራን ሐሙሽተን ታሕሳስ 1889 ዓስርተ ዲያቆናት አብ ከረን መዓርገ ክህነት ከም ዝተቀበሉ ክፍለጥ ከሎ ፡ ብድሕሪኡ ብ1936 ሸሞንተ ዲያቆናት መዓርገ ክህነት ከም ዝተቀበሉ ይዝከር ።

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ብ1995 ሰለስተ ኤጳርቅናታት ክህልውአ ከም ዝተወሰነ ክዝከር ከሎ ፡ ኤጳርቅናታት አሥመራን ከረንን ነፍስ ወከፈን ዱሽተ ካህናት ሰበኻ ከፍርያ ግን እዚ ናይ መጀመርያ ግዜ ከም ዝኾነ ይፍለጥ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.