Home Archivio
2009-10-17 13:42:43
መዓልቲ ኣፍሪቃ ኣብ ሮማ
ብምኽንያት ኣብ ቫቲካን ዝካየድ ዘሎ ሓፈሻዊ ካልኣይ ዲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ፣ ቤት ምኽሪ ከተማ ሮማ ዝመጽእ ዘሎ ሰኑይ ኣብዛ ከተማ መዓልቲ ኣፍሪቃ ኮይኑ ክሕሰብ ውሳኔ ከምዘተሓላለፈ ክንገር እንከሎ፣ በዚ ምኽንያት
ድማ ኣብ ሕንጻ ካምፒዶሊዮ ቤት ምኽሪ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ኣፍሪቃ ዝካየዱ ምትሕብባራትም ግብረ ሰናይን ኣማእኪሉ ዝዝቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ክካየድ ምዃኑን፣ ምሸት ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት 09.00 ኣብ ሮማ ኣብ ጎዳና ኮንቺሊያዚዮነ ኣብ ዝርከብ ናይ ሙዚቃ ኣዳራሽ ናይ ኣፍሪቃ ባህሊ ዘንጸባርቕ ምርኢት ሙዚቃ ክቐርብ ምዃኑ ተሓቢሩ።
እዚ ናይ ኣፍሪቃ ውግዓዊ ካልኣይ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃን ቤት ምኽሪ ሮማን ራዲዮ ቫቲካንን ቅዱስ ኤጂዲዮ ናይ ካቶሊክ ማሕበርን ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጉዳይ ኖልዎ መንእሰያት ዝሓሊ ድርገት ብምትሕብባር ዘዳለውዎ ዓለምሓቆፍ መዓልቲ ኣፍሪቃ፣ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃን ናይ ዝተፈላለያ ዓለም ሓቆፍ ናይ ተራድኦ ማሕበራትን ናይ ቫቲካን ረድዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣብ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ክሳተፉ ምዃኖም ተገሊጹ።
All the contents on this site are copyrighted ©.