2009-10-17 13:42:43

መዓልቲ ኣፍሪቃ ኣብ ሮማ


ብምኽንያት ኣብ ቫቲካን ዝካየድ ዘሎ ሓፈሻዊ ካልኣይ ዲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ፣ ቤት ምኽሪ ከተማ ሮማ ዝመጽእ ዘሎ ሰኑይ ኣብዛ ከተማ መዓልቲ ኣፍሪቃ ኮይኑ ክሕሰብ ውሳኔ ከምዘተሓላለፈ ክንገር እንከሎ፣ በዚ ምኽንያት RealAudioMP3 ድማ ኣብ ሕንጻ ካምፒዶሊዮ ቤት ምኽሪ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ኣፍሪቃ ዝካየዱ ምትሕብባራትም ግብረ ሰናይን ኣማእኪሉ ዝዝቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ክካየድ ምዃኑን፣ ምሸት ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት 09.00 ኣብ ሮማ ኣብ ጎዳና ኮንቺሊያዚዮነ ኣብ ዝርከብ ናይ ሙዚቃ ኣዳራሽ ናይ ኣፍሪቃ ባህሊ ዘንጸባርቕ ምርኢት ሙዚቃ ክቐርብ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እዚ ናይ ኣፍሪቃ ውግዓዊ ካልኣይ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃን ቤት ምኽሪ ሮማን ራዲዮ ቫቲካንን ቅዱስ ኤጂዲዮ ናይ ካቶሊክ ማሕበርን ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጉዳይ ኖልዎ መንእሰያት ዝሓሊ ድርገት ብምትሕብባር ዘዳለውዎ ዓለምሓቆፍ መዓልቲ ኣፍሪቃ፣ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃን ናይ ዝተፈላለያ ዓለም ሓቆፍ ናይ ተራድኦ ማሕበራትን ናይ ቫቲካን ረድዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣብ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ክሳተፉ ምዃኖም ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.