2009-10-17 13:44:30

ሃይማኖታት፣ ናይ ሰላምን ምክብባርን ሰላማዊ ማኅበራዊ ናብራን ኃላፍነት


ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብምኽንያት ዲዋሊ በዓል ሓይምኖት ሂንዱ ንሰዓብቲ ሃይማኖት ሂንዱን መንፈሳዊ መራሕትን ናይ ርሑስ በዓል መልእኽቲ ከምዘተሓላለፈ ናይ ቅድስቲ RealAudioMP3 መንበር መግለጺ የረጋገጽ።

ብፁዕ ኣቡነ ፒየር ልዊጂ ቸላታ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እዚ በዓል ዲዋሊ በዓለ ብርሃን ማለት ምዃኑ ሓቢሮም፣ እዚ ድማ ሰናይ ኣብ ልዕሊ ክፍኣት ዝተዓወተሉን ሕይወት ኣብ ልዕሊ ሞት ዓወት ከምዘረጋገጸ ዘመልክት ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ኣብ ህንዲ ብዙሕ ጊዜ ጸረ ክርስትያን ዓመጻት ክለዓዓሉን ክፍጸሙን ይርኤ ቢሎም፣ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ድማ እቲ ኣብ ግዝኣት ኦሪዛ ዝተኸስተ ጸረ ክርስትያን ተግባራት ጠቒሶም ኣብ መንጎ ሃይማኖታትን ኣመንትን ምክብባር ክነግሥ ዝዕድም መልእኽቲ እውን ኢዩ ኢሎም።

እዚ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ኣብ ህንዲ ቀዳማይ ጉባኤ ልኡካነ ወንጌል ኣብ ዝተኸፍተሉ ዕለት ብምዃኑ ድማ ፍሉይ ከምዝገብሮ ብፁዕ ኣቡነ ቸላታ ኣዘኻኺሮም፣ እዚ ቀዳማይ ናይ ተልእኾ ወንጌል ጉባኤ ብዛዕባ እቲ ኣብ ህንዲ ብኢደ ኣኽረርቲ ሰዓብቲ ሂንዱ ዝፍጸም ጸረ ክርስትያን ዓመጽ እውን ከምዝዘተየን ገሊጾም፣ ኣብ ሞንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ርክብን ናይ ሓባር ዘተን ንማኅበራዊ ሰላም መሠረት ምዃኑ ገሊጾም ኩለን ሃይማኖታት ምእመናነን ንሰላም ክተብዓን ሓላፍንፈት ኣለወን ኢሎም፣ ምክብባርን ምቅብባልን እውን ክሰርጽ ናይ ሃይማኖታት መራሕቲ ብሓባር ክዓዩ ይግባእ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የረጋገጽ።

መሰል ሃይማኖትን እምነትካ ናይ ምግላጽ ነጻነት ክኽበር ከምዘለዎ ሓቢሮም፣ እዚ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ዘመልክቶ እውን ከምዝኾነ ሓቢሮም ምኽባር እዚ መሰል እዚ ንናይ ሰላምን ምዕባለ መሠረት ኢዩ ከምዝበሉን፣ ኩለን ሃይማኖታት ብምትሕብባር ነቲ ካብ ኣኽረርቲ ምእመናን ዝነቅል መሠረት ሁከት ከንጽላን ብስም ሃይማኖት ዝፍጸም ዓመጽ ከወግዛን ከምዘተሓሳሰቡን ሃይማኖታት ንናይ ምትሕብባርን ምክብባርን ምሉእ ዕቤት ዘርኢ ሰብ ክተግሃ ድማ ሓደራ ከምዝበሉ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተመሓላለፈ መግለጺ የረጋግጽ።







All the contents on this site are copyrighted ©.