2009-10-10 13:23:43

ካልኣይ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ


ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ብዝብል ቀንዲ ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ኣብ ቫቲካን ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዝተረኽብሉ ዝካየድ ዘሎ ናይ ኣፍሪቃ ብጹዓን ጳጳሳት ካልኣይ ሲኖዶስ፣ ኣብ ናይ ትማሊ ንጎሆ ዋዕላኡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ሕንጸት ሰላምን ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከባቢ ዓበይቲ ቀላይን ብዛዕባ እቲ ለብዘበን ዝብዕል ዘሎ ዓመት ክህነት ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ሰፊሕ ምይይጥ RealAudioMP3 ከምዘካየደ ናይ ሲኖዶስ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ዋዕላ ኣብ ናይ ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ መደቡ ድማ ናይ ሕቡራት መንግሥታታ ዓለም ዋና ጸሓፊ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ሱዳን ዳርፉር ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለምን ናይ ኅብረት ኣፍሪቃን ናይ ሓባር ድርገት ሊቀ መንበር ሮዶልፍ አዳዳ ዘረባ ከምዘስምዑ ተገሊጹ።

ኣብ ሩዋንዳ ካብቲ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ምጽናት ዓሌት ዝደሓኑ ነቶም ነዚ እከይ ግብሪ ንዝፈጸሙ ምሕረት ብምሃብ ኣብታ ከባቢ ሰላም ንኽሁሉ ዝተራእየ ዓቢይ ደላይነት ሰላም፣ ኣብ ዝጸንከረ ኩነታት ሰላም ዝከአል ምዃኑ ዝምስክርን ዝረጋግጽን ከምዝኾነ ኣብቲ ጉባኤ ብተዓዛቢ ዝተሳተፉ ካብ ዝሃብዎ ምስክርነት ከምዝተመልከተ መግለጺ ከይዲ ኣኼባ ሲኖዶስ የረጋገጽ።

ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ናይ ትምህርቲ መደብ ንመንእሰይ ወለዶ ዝበለጸ ሕንጸት ዘነቓቕሕን ዝህብን ናይ ቤተክርስትያን ሓልዮት ክኽበርን ነጻነት ቤተ ክርስትያን ክሕሎን ኣብ መንጎ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ትምህርትን ስነ ጥበብን ባህልን ሓልዮ ማኅበርን ናይ ቤተ ክርስትያን መደብ ትምህርትን ምትሕብባር ክህሉ ብምትሕስሳብ፣ ናይ ኣፍሪቃ ሲኖዶስ ኣበው ኣብ’ዛ ክፍሊ ዓለም ካብቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ማሕበራዊ ጉዳይ ትምህርቲ ጀሚሩ ብዛዕባ ናይ ቤተ ክርስትያን መሠረታዊ ትምህርት ሕንጸት ዝወሃበሉ ሓደ ዝለዓለ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ተቛም ክምሥረት ሓሳብ ከምዘቕረቡ ተረጋጊጹ።

ቀጺሎም ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣፍሪቃ ብዛዕባ መራኸቢ ብዙኃንን ክፍልታት ሓበሬታን ምስዘተዩ፣ ኣብ 32 ሃገራት ኣፍሪቃ ብጠቕላላ 163 ናይ ካቶሊ ቤተ ክርስትያን መደብራት ራዲዮ ከምዘለዋ ብምጥቃስ ኣብ ኣፍሪቃ ሓደ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ናይ ዜና ኣገልግሎት ክህሉ ሓሳብ ድሕሪ ምቕራብ፣ ቀጺሎም ብዛዕባ እቲ ለብዘበን ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. መበል 150 ዝክረ ዓመት ሓላዊ ካህናት ቅዱስ ኩራቶ ዳርሶ መሠረት ዝኣወጅዎን ዝዝከር ዘሎን ዓመተ ክህነት ማእከል ገይሮም ከምዝዘተዩ ተገሊጹ።

ናይ ሲኖዶስ ኣበው ብምቕጻል ብዛዕባ ምንጻል ጽንሲ ኣመልኪቶም ብምዝታይ፣ ምንጻል ጽንሲ ምስ ናይ ስነ ወሊድ ጥዕና ብምትሕሓዝ ዝግበር ዝርርብን ምፍቃዱን ኣዚዮም ብምቅዋም፣ ኣስዒቦም ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ኣብ ዝግበር መደብ ዘተ፣ ናይ ፍትሕን ሰላምን ድርገት ፈላጣት ዝዋስኡሉ ክኸውን ድማ ኣተሓሳሲቦም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ከባቢ ዓበይት ቀላይ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ሰላም ንምርግጋጽ ብዝቐልጠፈ ብዛዕባ ናይዚ ከባቢ ሰላምን እርቅን ጉዳይ ዝዝቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ክጽዋዕ ዝነኣድ ልዑል ሓሳብ ከምዘቕረቡ መገልጺ ሲኖዶስ ኣረጋጊጹ።

ብዘይ ደቀ ንስትዮ ቤተ ክርስትያን እንታይ ምኾነት ኔራ? ብዝብል ሕቶ ዝተበገሰ እዘን ሕይወት ካብ ምሃብ ድሕር ዘይብላን ውላደን ራሕሪሔን ዘይከዳን ምእንታኦም ዝሓልፋን ኣፍሪቃውያን ደቀ ንስትዮ ኣምእኪሎም ብፁዓን ጳጳሳት ዲኖዶስ ኣብ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ኣኼባኦም ብምዝታይ ነዘን ናይ ኅብረተሰብ ማእከል ዝኾና ደቀ ንስትዮ ግቡእን ዓቢይን ሥፍራ ክወሃበን ከምዘተሓሳሰብ ተመልኪቱ።

ድሕሪ እዚ ምይይጥ ኣብ ብሩንዲ ናይ ሕውነት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ቤርሃርድ ንታሆቱሪ ቤተ ክርስትያን እግዚኣብሔር ፍቕርን ሕይወትን ምዃኑ ብቓልን ሕይወትን ንምብሳር ብቕዓት ዘለዎ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ክህሉ ዘመልክት ዘረባ ብምስማዕ ቀጺሎም ኣፍሪቃ ናይ ዕድል መሬት ከምዝኾነትን ገሊጾም፣ ኣፍሪቃ ካብ ዝተፈላለዩ ጸገማት ንኽትላቐቕ ቤተ ክርስትያን ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ሕውነት ምልክት ክትኸውን ይግባእ ኢሎም።

እቲ ናይ ትማሊ ዋዕላ ሕሙማን ኤይድስ ከይርስዑን ክሕገዙን ብፁዓን ጳጳሳት ብምትሕስሳብ፣ እቲ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ኣብ ኣፍሪቃ ንሕሙማን ኤይድስ ናይ ክንክን ጥዕናን ሰብኣውን ደገፍ ዘቕርብ ዘሎ ናይ ካቶሊክ ናይ ምሉእዊ ልምዓት ማኅበር ዘቕርቦ ደገፍ ዓቢ ውጽኢት ከምዘዕተረን፣ እቲ ንሕሙማን ኤይድስ ዘቕርቦ ናይ ኣፋውስ ደገፍ ኣመስጊኖም፣ እቲ ብኅብረ ፋብሪካታት መድሃኒት ዝውስን ዋጋ ናይ ጸረ ኤይድስ መድኅኒት ንብዙሓት ድኻታት ሓገራት ሕሙማን ኤይድስ ዝንጽል ብምዃኑን ብፁዓን ጳጳሳት ገሊጾም፣ እዚ ጉዳይ ብዓለም ለኸ ብርኪ መፍትሒ ክረከበሉ ኣተሓሳሲቦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.