2009-10-10 13:27:31

ኣጽዋር ውግእ ምርጋፍ መሠረት ሰላም ኢዩ


ኣብ መበል 64 ጠቕላሊ ጉባኤ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዝተረኽቡ ኣብዚ ማኅበር ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ቸለስቲኖ ሚሊዮረ፣ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ካብ 2008 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ኣብ መላእ ዓለም ቅልውላው ቁጠባን ኤኮኖምን RealAudioMP3 ዝተረእየ እኳ እንተኾነ ንጉዳይ ሓይሊ ምክልኻል ዝምደብ ወጻኢ ገንዘብ በርባዕተ ሚእታዊ ክብ ከምዝበለ ገሊጾም። ዓለም ሓቆፍ ማኅበረሰብ፣ ካብ ዝኾነ ይኹን ኣጽዋር ናጻ ዝኾነ ዓለም ክረጋገጸሉ ሕዝቢ ዓለም ንዘለዎ ትጽቢትን ድላይን ግቡእን ቅኑዕን መልሲ ክህበሉ ግድን ኢዩ ኢሎም።

ብዙሕ ሰላማዊ ሕዝቢ ብውግእን ግጭት ዝሳቐ ከምዝኾነን፣ እዚ ሕዝቢ’ዚ ሃረር ዝብሎ ሰላምን ነጻነትን ክረጋገጸሉን ብፁዕ ኣቡነ ቸለስቲኖ ሚሊዮረ ኣብዚ ዓለም ለኻዊ ምርጋፍ ኣጽዋርን ድሕነትን ኣብ ዝብል ጉዳይ ኣብ ዝዝቲ ዘሎ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ገሊጾም፣ መደብ ሕንጸትን ምርካብ ዕለታዊ መግብን ምርግጋጽ ክንክን ጥዕናን ዝስተ ጽሩይ ማይን ናይ ምርካብ መሰሉ ክረጋገጸሉን ክኽበረሉን ወትሩ ድምጹ ዘስምዕ ሕዝቢ ዓለም ምኻብር የድሊ ኢሎም። በዚ እንርእዮ ዘሎና ከይዲ ዓለም መምዘኒ መሠረት እቲ ብሕቡራት መንግሥታት ዓለም ሚለኒዮም ብዝብል ሽም ዝሓንጸጾ መደብ ልምዓት ኣብ 2015 ዓ.ም.ፈ. ምሉእ ብምሉእ ሽቶኡ ክወቕዕ ኢዩ ቢልካ ምሕሳብ ዘይክኣል ኢዩ ከምዝበሉ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.