2009-10-10 13:29:03

ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበር


ኣብ ጀነቭ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ጉዳይ ኣብ ዝሓሊ ማኅበር ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ሲልቫኖ ቶማሲ እዚ ማኅበር ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 30 መስከረም 2009 ዓ.ም.ፈ RealAudioMP3 . ኣብ ዘካየዶ መበል 12 መደበይና ኣኼባኡ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ብቕዓት ብዘለዎ ሕጊ መሠረት ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክሕሎን ክኽበርን ከምዝተሓሳሰቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መገልጺ የረጋግጽ።

ፍጥረት ሰብ ብውልቂ ኾነ ብማሕበር ሰብ ብርኪ ዘለዎ ሃይማኖት ናይ ምግላጽ መሰሉ ክኽበረሉ ሓደራ ቢሎም፣ እዚ እቲ ሓደ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ዝገልጾ ነጥቢ ምዃኑ እውን ኣመልኪቶም፣ ኣብ ኔው ዮርክ ዕለት 18 ሚያዝያ 2008 ዓ.ም.ፈ. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ጠቕላሊ ጉባኤ ተረኺቦም፣ እምነትካ ምግልጽ ወይ ድማ ምንባር ነጻነት፣ ኣብ ኣምልኾን ስግደትን ጥራሕ ዝተወሰን ማለት ዘይኮነስ፣ ኣብ ማኅበራዊ ናብራ እውን ዝምስከር ማለት ምዃኑን፣ ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ፖለቲካ ንድፊ ሓሳብ ዝገራጨው እውን እንተኾነ ጠሪሹ ክጥሓስ ዘይብሉ ክቡር ዋጋ መሰልን ፍቓድን ሰብ ኢዩ ዝብለዎ ቃል፣ ብፁዕ ኣቡነ ቶማሲ ብምዝካር፣ ሃይማኖትካ ናይ ምግልጽ ነጻነት ብዙሕ ጊዜ ኣገዳስነት ዘይብሉ ኮይኑ ከምዝረኣይ ሓቢሮም፣ ሃይማኖት ናይ ፖለቲካ ንድፊ ሓሳብ ኣይኮነን ድሕሪ ብማል፣ ናይ ሃይማኖትን ናይ ሕሊናን ነጻነት ኣብ ኵለን ሃገራት ዓለም ውሑስ ክኸውን ሓደራ ከምዝበሉ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተዘርግሔ መገልጺ የረጋገጽ።







All the contents on this site are copyrighted ©.