2009-10-08 18:01:36

ክርስቶስ መድኃኒ ክፍአት እዩ፣ ሮቡዓዊ አስተምህሮ ር.ሊ.ጳ


ክርስቶስ መድኃኒ ክፍአት እዩ፣ ሮቡዓዊ አስተምህሮ ር.ሊ.ጳ

ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ሮቡዕ አብ ቅርዓት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተአከቡ ምእመናን ኣብ መሥራቲ ማኅበር ምዱባት ካህናት ወላዲተ ኣምላኽን ሓላዊ ቅዱስ ቐመምቲ መድኃኒትን፣ ኣብ መፋርቅ መበል 16 ክፍለ ዘመን ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮኡ ዝፈጸመ አብነታዊ ካህን ቅዱስ ዮሓንስ ለዮናርዲ ሓፈሻዊ ሰሙናዊ መደብ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዘቅረቡ ተመልኪቱ። RealAudioMP3

ክርስቶስ ፈውሲ ኩሉ ንጽጽራዊ ኢዩ ዝብል ባህሊ ዘስዓቦ ሕማማትን ሓኪም ክፍአታት ዓለምን ከምዝኾነ ገለጹ። ብዛዕባ እዚ ለምቅነ ኣብ ውሽጢ ቫቲካን ሲካየድ ዘሎ ካልአይ ፍሉይ ሲኖዶስ ጳጳሳት አፍሪቃ ጠቂሶም ድማ ዕለቱ ሊጡርጊያ ላቲን ኣብ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን በዓል ድንግል ማርያም ሮዛርዮም ከምዝኾነ ዘኪሮም፣ ንሥራሓት ሲኖዶስ ንረድኤታን ሓለዋአን ሕድሪ ሂቦም። አብ ናይ ትማሊ ሮቡዓዊ አስተምህሮ አርባዓ ሺሕ ዝኾነ ምእመናን ተሳቲፎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.