2009-10-06 12:48:36

ሲኖዶስ ኣፍሪቃ፣ ዘዳልዉን ዝመርሑን ካርዲናላት መልእኽቲ


ካልኣይ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16፣ ብዘቕረብዎ ናይ መእተውን መኽፈትን ዘረባ ብዕሊ ምስተጀመረ ስዒቦም ካብቶም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወኪሎም ንሲኖዶስ ዘዳልዉን ዝመርሑን RealAudioMP3 ካርዲናላት ሓደ ብፁዕ ካርዲናል ፍራንሲስ ኣሪንዘ፣ ዋና ጸሓፊ ካልኣይ ሲኖዶስ ኣፍሪቃ ብፁዕ ካርዲናል ኒኮላ ኤተሮቪችን እቲ ሲኖዶስ ናብቲ ቀንዲ ዝመያየጠሉ ኣርእስታቱ ቅድሚ ምሥጋሩ ብዛዕባ ናይ ዘተ ኣርእስታት ሓፈሻዊ መግለጺ ዘቕረቡ መራሒ ጉባኤ ካልኣይ ሲኖዶስ ኣፍሪቓ ኣብ ጋና ናይ ኬፕ ኮስት ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን ዘረባ ከምዘስምዑ ተሓቢሩ።

ብፁዕ ካርዲናል ኣረንዘ፣ ኣፍሪቃ ኣብ ልቢ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ከምዘላ ብዘረድእ መገልጺ ንዝተበገሰ ሲኖዶስ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ኣፍሪቓ ካብ ኢፍትሓዊንት ካብ ውግእን ዓመጽን ውጥረትን ንክትላቐቕ ትጽዕር ክፍሊ ዓለም ከምዝኾነት ኢዩ ዝፈለጥ፣ እዚ ሓቂ ኢዩ፣ እንተኾነ ግን ናይ ፍቕርን ናይ ምትሕብብራን ናይ ሰላም ጻዕርን ዕርቅን ዝረጋገጸላ ክፍለ ዓለም እውን ኢያ ኢሎም።

ካርዲናል ኤቶሮቪች ናይ ኣፍሪቓ ምንቅስቓሳት ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ናይ ጸዋዕታ ምብርካትን ኣብ መዳይ ግብረ ሠናይን ሓለዋ ጥዕናን ሕንጸትን ዘርኢ ንጥፈታታ ቤተ ክርስትያን ኣመልኪቶም ሰፊሕ ትንተና ከምዘቕረቡ ካብ ሲኖዶስ ዝተመሓላለፈ ዜና የረጋገጽ።

ቀጺሎም መራሒ ጉባኤ ካልኣይ ሲኖዶስ ኣፍሪቓ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን እዋኑ ባዛዕባ ኣፍሪቃ ዝበሃል ሓቂ ንናይ መላኣ ኣፍሪቃን ሕዝባን ረብሓን ምዕባለን ዝሓቀነ ኮይኑ ካብ ፍቕሪ ዝነቐለ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም። ቀጺሎም ብዛዕባ ኣፍርቃ ዝበሃልን እትብሎን ሓቂ ኵሉ ካብ ፍቕሪ ዝነቐለ ክኸውን ከምዘለዎ ኣረዲኦም። ኣፍሪቃ እታ ብዘርኢ ሰብ ዝተፈንፈነት ዝተጸየፈትን ኮይና ኢያ እትሕሰብን ኣትግለጽን፣ እንተኾነ ግን ድሕሪ ቻይና ቀጺላ ኣብ ናይ ዓለም ዕዳጋ እታ ብኻልኣይ ደረጃ ትቕልቀል ዘላ ናይ ዕድልን ብሩህ ተስፋን ክፍሊ ዓለም ኢያ ኢሎም። ሓቂ ኢዩ ኣብ ኣፍርቃ ችግር ኣሎ፣ ንኣብነት ምስፍሕፋሕ ናይ ሻራ ሃይማኖታት ዓሌታዊ ግርጭታትን እቲ ንደቂ ኣፍሪቃ ንጊላይነት ሓደጋ ዘቃልዕ ናይ ስደተይናታት ጸኣትን ፍትሕ ሰብ ሓዳርን ቆልዑ ንምውላድ ዘይሕቅን ኣብ ገዛእ ርእሱ ተዓጽዩ ብዝተርፍ ብዘይ ቃል ኪዳን ብዝፍጠር ሓዳር ምንባራ ምርጫን ብዛዕባ ቤተ ሰብ ፍልዩ ዝበለ ኣመለኻኽታ ንዘለዎ ሓድሽን ኣነባብራን ብዛዕባ ስሚዒታዊ ባህርይ ዝምልከት ዘሎ ጉጉይ ኣመለኻኽታን ናብ ጽንሲ ምንጻልን ብሕክምና ናብ ዝተደገፈ ጽንሲ ናይ ምክልኻል ሜላታትን ናብ ናይ ስነ ጂን ህንደሳ ሓገጋ ዝድርኽ ምዃኑ ገሊጾም፣ ምስፍሕፋሕ ኣጽዋርን ዘደንዝዙ እጸዋትን ሓደጋ ምዕልቕላቕ ማይን ድርቅን ጥሜትን እውን ዝረኣዩ ምዃኖም ምስ ገለጹ፣ ኣብ መወዳእታ እዚ ወግዓዊ ካልኣይ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣፍሪቃ ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ምዃኑ ሓቢሮም ነዚ ዓብይብን ዓሚዩቕን ኣርእስቲ ሰብን እግዚኣብሔርን ሰብ ምስ ብጻዩን ዘሎ ርክብ ዝድሕስስን ኣብ መንጎ እዚ ርክብ እዚ ዘጋጥሙ እደ ሰብ ሰርሖ ዕንቅፋታትን ብምትንታን ፍትሒ ብዓይኒ ክርስትና ትኽክለይና ሥርዓት ናይ ነግራት ማለት ምዃኑን፣ ስለዚህ ሰላም ማለት ውግእን ዓመጽን ደው ምባል ማለት ዘይኮነስ፣ ዓመጽን ውግእን ዘይ ምህላው ማለት ኢዩ፣ እዚ ድማ ስምምዕን ደኅንነት ምዕባለን ማለት ኢዩ ምስ በሉ፣ ልዕሊ ኵሉ ድማ ህያብ እግዚኣብሔር ኢዩ ኢሎም። ቤተ ክርስትያን ኣፍሪቃ ጨውን ብርሃንን ክትከውን ከምዝተጸወዔት ሓቢሮም ናይዚ ካልኣይ ሲኖዶስ ምይይጥ እትድግፍ ሰነድ እታ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ፍቕሪ ብሓቕ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቲ ምዃና ክምዘረድኡ ካብ ሲኖዶስ ዝተመሓላለፈልና መግለጺ የረጋግጽ።

ኣብዚ ሲኖዶስ ብፁዕ ካርዲናል ኤቶሮቪች ኣብ ዘስምዕዎ ቀዳማይ ዘረባ ናይ 2007 ዓ.ም.ፈ. ዝቐረበ ጸብጻብ ኣሃዝ መሠረት ገይሮም፦ ኣብ ኣፍሪቃ 657 ብጹዓን ጳጳሳት፣ 34,658 ካህናትን ካብዚኣቶም 23,154 ናይ ሰበኻ ካህናት፣ 11,504 ድማ ገዳማውያን ከምዝኾኑን፣ 403 ቀወምቲ ዲያቆናትን፣ ገዳማውያን ኣኃው 7,921 ናይ ዓለማውያን ምእመናን ማኅበራት ኣባላት ድማ 578፣ ዓለማውያን ልኡካነ ወንጌል 3,590፣ መምሃራን ትምህርቲ ክርስቶስ 399,932፣ ተመሃሮ ዘረኣ ክህነት 24,729 ከምዝኾኑ ገሊጾም፣ ኣብ መደምደምታ ዘረባኦም ካልኣይ ቆሮጦስ ምዕራፍ 5 ፍቕዲ 20 “ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ” ብዝብል ቃል፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ መንጎ ኣፍሪቃውያን ክርስትያን ዕርቂ ክህሉ ከምዘተሓሳስቡ ብፁዕ ካርዲና ኤቶሮቪች ዘኪሮም፣ ኣግዚኣብሔር ምሳኡ ክንዕረቕ ከምዝገበረን ኣብና ከኣ ቃል ዕሪቂ ከምዘንበረ ካልኣይ ቆሮንጦስ ምዕራፍ 5 ፍቕዲ 18 ጠቒሶም፣ ዕርቂ ምምሕሓር ዝሓትት ምዃኑን ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦና በደልና ሕደገልና ክንብል ዘብቅዓና እቲ ኣንሕና ንዝበደሉና ይቕረ እንብሎ ቁርጺ ፍቃድ ኢዩ፣ ሉቃስ ምዕራፍ 11 ፍቕዲ 4ን ማቴ. ምዕራፍ 6 ፍቕዲ 11 ተወኪሶም ምሕረት እንበር መስዋዕቲ ኣይኮነን ዘድልይ ዝብል ቃል ኢየሱስ ጠቒሶም ዕርቂ ካብ ፍትሕን ካብ ሰላምን ዝፍልፍል ኢዩ ኢሎም፣ እዚ ድማ ናይዚ ወግዓዊ መደበይና ካልኣይ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ ቀንዲ ኣርእስቲ ኢዩ ኢሎም እግዚኣሔር ንኣፍሪቃ ይባርካ ብምባል ዘረባኦም ከምዝዛዘሙ ካብ ኣዳራሽ ሲኖዶስ ዝተመሓላለፈልና ዜና የረጋግጽ።







All the contents on this site are copyrighted ©.