2009-10-06 18:35:59

ሲኖዳዊ ዜና



 


ዝሐለፈ ሰንበት አብ ቫቲካን ናይ ጳጳሳት አፍሪቃ ሲኖዶስ ከም ዝተጀመረ ክዝከር ከሎ እዚ አብ ውሽቲ ቫቲካን አብ አዳራሽ ጳውሎስ ሻዱሻይ ዝካየድ ዘሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝሳተፍዎ ዘለዉ ሲኖዶስ “ዚ ብጽቡቅ አገባብ ይቅጽል አሎ።

ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ናይ ላቲን አመሪካን ካራይቢን ናይ ኤስያ ሀገራት ናይ ኦሽያንያ ረኪበ ጳጳሳት ሊቀመንበራት ነቲ ሲኖዶስ ናይ ሕያውነታውን ምትሕብባርን መልእክቲ አስሚዖም። RealAudioMP3

ናይ ሸውዓተ ሀገራት አፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ክአ ህሉው ኩነታት አብያተክርስትያናቶም ብዝምልከት ነቲ ሲኖዶስ መግለጺ ሂቦም።
ሐደ ጳጳስ አብ ውሽጢ ሐሙሽተ ደቃይቅ ዘረብኦም ክገትኡ እኳ ናይቲ ሲኖዶስ መምርሒ እንተሎ ጳጳሳት አፍሪቃ ፡ ብሕጽር ዝበለ አገባብ ነቲ ሲኖዶስ አብ ዝሃብዎ መግለጺ ዝመሳሰል ኔሩ ክብሃል ይክአል፡ እቲ ብሐዋርያነት ዝጓስይዎ ሕዝበ ክርስትያን ማኅበራዊ ኤኮኖምያዊ ሽግር ከም ዘለዎን ረድኤት ዘድልዮ ብዙኅ ሕዝቢ ከም ዘሎን አረዲኦም።

ብፁዓን ጳጳሳት አፍሪቃ መምርሒ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ተኸቲሎም ንህዝቦም ከም ዝጓስዩን በቲ አብታ ክፍለ ዓለም ዘሎ ግጭትን ሰብ ዝፈጥሮም ህውከትን ጸገም ከም ዘሎ አመልኪቶም ዝተፈላለዩ ፈተናታት ከም ዘለዉን ንምስዓሮም አብ ቃላት ኢየሱስ ክርስቶስ ተመርኲሶም ፍታሕ ከም ዝደልዩን ምስ ካልኦት ካቶሊካውያን ዘይኮኑ መራሕቲ ሃይማኖታት ብሐባር ንሰላምን ፍትሕን ከም ዝሰርሑ አመልኪቶም አለዉ።

እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ካመሩን ያውንደ ንሊቀመንበራት ጉባኤ ጳጳሳት ዘረከብዎ ኢንስትሩመንቱም ላቦሪስ መርኃ ግብር መሠረት ቤተክርስትያን አፍሪቃ ንዕርቅን ፍትሕን ሰላምን አብ አፍሪቃ፤ አብ አፍሪቃ ክፍለ ዓለም ፍትሒ ዝነግሰሉ ሰላምን ዕርቅን ዝወርደሉ ኩነታት ዝድህስሱ ጽሑፋት ነቲ ሲኖኦዶስ ቀሪቦምሉ። አብዚ አብ ውሽጢ ቫቲካን ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ጳጳሳት አፍሪቃ አርባዓን አርባዕተን ተዓዘብቲ ዕስራን ትሽዓተን ምሁራት ትምህርቲ ቤተክርስትያን ይሰተፉ ከም ዘለዉ ዝዝከር ኢዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሎም ንግሆ እቶም ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብቲ ሲኖዶስ መጺኦም ክዛረቡ ዝተዓደሙ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስ አብ ቅድሚ ጳጳሳት አፍሪቃ ቀሪቦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዝገበሩሎም ዕድመ ብልቢ አመስጊኖም ጥንታዊ ታሪክ ክርስትና ኢትዮጵያን አፍሪቃን አረዲኦም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አቡነ ጳውሎስ ንዝሀብዎ መግለጺ አመስጊኖሞም። ሐደ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን አብ ናይ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ጉባኤ ቀሪቦም ክዛረቡ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስ ፓትርያርክ ዘኢትዮጵያ ናይ መጀመርያ ከም ዝኾኑ ይምልከት።

ካልኦት ናይ ጅቡቲ ጳጳስን አብ ሶማልያ ናይ ሞቃዲሾ ሐዋርያዊ ልኡኽን፣ ናይ ዚምባብወ ናይ ረፓብሊክ ደቡብ አፍሪቃ ካመሩን ቡርኪና ፋሶ ጳጳሳት ህሉው ኩነታት አብያተክርስትያናቶም ንሲኖዶስ መግለጺ ሂቦም አለዉ ።

ክቡራትን ክቡራንን ተኸታተልቲ ረድዮ ቫቲካን አብዚ ሲኖዶስ”ዚ ዝስሳተፉ ዘለዉ ጳጳስ ዘመንበረ አሥመራ ብዛዕባ ናይ ሎም መዓልቲ ውዕሎ አመልኪቶም ዝሃብዎ ርእይቶ ምስ”ዚ አተሓሒዝና ነቅርበልኩም።








All the contents on this site are copyrighted ©.