2009-10-05 15:11:55

ዘመስቀል መስከረም 24 2002 ዓ.ም.


ንባባት፡ 1ቆሮንጦስ 2፡4~12፤ 1ጴጥሮስ 2፡20 ~ፍ ግ.ሓ. 4፡19~31 ሉቃስ 9፡18~28

መዝሙር፡ መስቀልከ እግዚኦ ተሰብሐ . . . . . . .

ሰንበትና አብ መስቀል ዘሎና ፍሉይ ትርጉምን ርድኢትን ክዓዝዝ ምእንቲ ሎሚ እውን ንፍሉይ አስተንትኖ አብ ልዕሊ መስቀል ክንገብር ዝዕድመና ሰንበት እዩ። መዝሙር ናይ መስቀል ሓይሊ፥ ጸጋ ረድኤት አብ ሕይወት ሰባት ዘምጽኦ ለውጢ ይገልጸልና። መስቀል ምቝሓት ይፈትሕ፥ መስቀል ለምጻማት የሕዊ፥ መስቀል አጋንንቲ የውጽእ፥ መስቀል ሙታን የተንስእ፥ መስቀል ገነት አርሕውልና። ሕይወት ደቂ ሰብ ብሳላ ሞት አብ መስቀል ተሓዲሱ። አምላኽ ኩሉ እቲ ዘድልየና ደቂ ድሕነት ክንከውን ፈጺምዎ እዩ። ተሪፉ ዘሎ ናይ ኩልና እሽታን አሰር መስቀል ተጓዒዝና ንሰማይ ዘእቱ ተግባር አብ ሕይወትና ክንለብሶ መዝሙርና የዘኻኽር።

ክርስትያን መለለይኡ መስቀል እዩ። ኢየሱስ ናይ ኩሉ ተልእኮኡ መደምደምታ ብመስቀል ገርዎ እዚ ኸአ ኩልና እንጉዓዞ ሕይወት መልክዕዑ ብመስቀል ክልለ ስለ ዝደለዮ እዩ። መስቀል ንክርስትያን ምርጫ አይኮነን ብአምላኽ ዝተወህበና ንጉዕዞ ሰማይ ስንቂ ዝኾነና እዩ። መስቀል ዘይብሉ ሕይወት ንድሕነት ርሑቕ እዩ። ዕለት ዕለት ጸወርቲ መስቀል ኩኑ ዝብል ለበዋ አሎና። ነፍስወከፍ ሰብ ናቱ መስቀል አልኦ። መስቀል ዓቢ ፍረ ዝህልዎ ንበይንኻ ክትጾሮ ከሎኻ እዩ። ንመስቀልና መልክዕ ክንልውጠሉ ንደሊ ኢና ደኺመ፥ በዚሑኒ፥ ትርጉም ስኢነሉ፥ እናበልና መልክዕ መስቀልና ክንቅይር ንፍትን ወረ ገለናስ ደፊርና መስቀልና አውሪድና አብ ጸረ መስቀል ዝኾነ ሕወትና ተግባርን ንወፍር። ከምቲ ቀዳሞት ንመስቀል ከይዝንግዑ ኢሎም አብ ሓፍ ዝበለ ማለት አብ ግንባሮም፥ አብ ገዝኦም፥ አብ ቤተክርስትያኖም ዝገብርዎ ዝነበሩ ሎሚ ንሕና ወረስቲ መስቀል ቀዳሞት አሎኹ ንመስቀል ክጽውር ድልያየይ እዩ እናበልና ኩልና ንጸረ መስቀል ዝኾነ ጉዕዞ ሰባት ብግብሪ ክንልውጦ ናታትና ግደ እዩ።

መስቀልካ/መስቀልኪ አበሎ ዝብል ሕቶ ክንሕተተ ሎሚ እዋኑ እዩ። መልስና ክንህብ ግድን እዩ። እከለ/ት መስቀል ከቢድዎ/ዋ አውሪዶሞ አለዉ ዝብሃሉ ብዙሓት አለዉና። ጎ. ኢ. ክ. ካብቲ አነ ዝሰትዮ ጽዋእ ክትሰትዩ ስንድዋት ዲኹም እናበለ ይሓተና እዩ። ተኸተልተይ እንተኾንኩም ስዓቡኒ አሰረይ ተጎዓዙ ይብለና። ንምረት መስቀል ጥዑም ክንብሎ እንኽእል ነቲ መድሓኒና አብ መስቀል ተንጠልጢሉ እንክሎ ዘሕለፎ እንተረአና እኹል እዩ ንሱ ንሞት ብድፍረት አተዎ ይብለና ሓዋርያ ጳውሎስ። አብ ገተሰምስኒ ክግዕር እንክሎ ሽዑ ትርጉም መስቀል ርእዩ ሕራይ ንሞት ኢሉ አትይዎ አብኡ እሺ ኢሉ ተአዚዙ እቲ አብ መስቀል እንክሎ ዘሕለፎ መንፈሳዊ ምዝናይ እዩ ነሩ ማለት ንምረት መስቀል ድሕነት ነፍሲወከፍና ዕግበት ሂብዎ ሓንትስ እንቋዕ ደቂ አዳም ደሓኑ እምበር ሞተይስ ክብሪ እዩ ኢሉ ንሕና ብዓቕምና ናቱ መንገዲ ክንክተል ዓወትና ምዃኑ ምሂሩና።

ቅዱስ ጳውሎስ አብ ሰብ ቀሮንጦስ ዝጸሓፋ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ናይ ሎሚ ንባብና ትርጉም መስቀል ምፍለጥ ጥበብ እዩ ይብለና። አብ ቆሮንቶስ ዝነበሩ ክርስትያን ብብዙሕ ናይ ዓለም ፍልጠት ይፍተኑ ነሮም እዮም። አብ ጉዕዞ ሕይወቶም ከይዝንግዑ ኢሉ መንፈሳዊ ነገር ኩሉ ግዜ ቀዳማይ ኮይኑ ክርኤ አለዎ ይብሎም። ንአና እውን ናይ ሥጋ ነገር ከይስዕረና መስቀል መላሲና ክኸውን እሞ ንፉዓት መስተውዓልቲ ንኹሉ ነገር ክንከውን ይነግረና። አብ መንጎ ክርስትያን ፍልልይ፥ ዝርጋን፥ ጽልኢ ድሕሪ በዚሑ አልዩ ትርጉም መስቀል ተቐይሩ አሎ ማለት እዩ። እምብአር ጳውሎስ ሓቀኛን ሓሳዊን ጥበብ ፈሊና ክንክእል ይላበወና። ምድራዊ ሕይወት ብሰንኪ ውድቀት ቀዳሞት ወለዲ ዝአተዎ ዝንባሌ ሓጢአት ኩሉ ግዜ ምስተሸገረ እዩ። ፈተና ዘይብሉ ሕይወት ክትነብር ዘይክአል እዩ ስለዚ ዕጥቂ የድሊ። ንመስቀል ዘሕድግ ተጻባኢ ጸላኢ አሎና መስቀል አብ ሕይወትና ትኾሊዑ ክርአ ድኻም የድልየና። ጣዕሚ መስቀል አብድኻም እዩ። ንሰብ ቆሮንቶስ እተዋህበ ለበዋ ሎሚ ንአይ ንአኹም እውን ይድገም አሎ።

ቅዱስ ጵጥሮስ አብ መልእኽቱ ስቓይ ክርስቶስ አብነትና ክኸውን ይላበወና። “በድል እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዓገስኩም እንታይ ትርጉም አለዎ፥ ሠናይ እና ገበርኩም መከራ እንተ ተኣገስኩም ግና እዚ አብ ቅድሚ አምላኽ ቅቡል እዩ። ነዚ ኢኹም ዝተጸዋእኩም ክርስቶስ ድማ አሰር አሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ አርአያ ኃደገልኩም” ይብለና። አብ እዋን መስቀል ትዕግስቲ ቀዳመይቲ መጋበሪት እያ። ትዕግስቲ ንውሽጣውን ግዳማውን ስምዒትካ መሊኽካ ነቲ ሓቂ ደም እናጠዓመካ ምቕባል እዩ። አብ ገለ እዋን ድኻም ክህሉ ባህርና ዝፈጠሮ ዝንጋዔ ክህሉ እዩ ግን ኩሉ ግዜ አብ ጎንና ዝጭርሕ መስቀል አሎ፥ ንኣይ ርአዩ አብ ከቢድ እዋን ምርጫኹም ሓቀኛ ክኸውን ይብለና።

ምእንቲ ክርስቶስ ኢልካ መከራ ምዕጋስ ዓስቢ አልኦ። ዝተፈላለየ ፈተና ገለ እዋን ትርጉም እትስእነሉ ሽግር ይጓነፈና ሽዑ ይኸብደና ነዕገርግር ወረ መገዲ ንቕይር ዝሓልፈልና መሲሉና ግን እቲ ጸገም ትርጉም ወይ ሓቂ ዝሕዝ ብዓይኒ መስቀል ክርስቶስ ክንርእዮ ከሎና ጥራሕ እዩ። መስቀልና ዝውሃበና አምላኽ ከምንኽእሎ ስለ ዝፈልጥ እዩ ዝህበና። ዘይጽወር መስቀል የሎን። ንኹሉ ዝጓነፈና ብመንጽር መስቀልን ሞትን ክርስቶስ ክንርእዮ ከሎና ጥራሕ እዩ ትርጉም ዝህልዎ ወይ ክንጾሮ እንኽእል። ለበዋ ጵጥሮስ እዚ እዩ ንሎሚ። ንኹሉ ብመንጽር መስቀል ክንርእዮ።

ሉቃስ ንኢየሱስ ምፍላጥ ከቢድ ምዃኑ ይገልጽ። ብዙሓት እዚ መንእዩ (8፡25) ዝብል ሕቶ ኽሓቱ ንሰምዖም። ንሓዋርያቱ ሰባት መን እዩ ይብሉኒ? ንስኹምከ መንዩ ትብሉኒ እናበለ አብ ውሽጣዊ መንነቱ ከእትዎም ይሓቶም። ጴጥሮስ ሓቀኛ መልሲ ይህቦ ንስኻ እቲ መስሕ ኢኻ ይብሎ። ሽዑ ትርጉም መድሓኒ ይነግሮም። “ወድሰብ ክሓምም፥ ብብዙሓት ክጥለም፥ ክቕተል ምዃኑ ይነግሮም”። እዚ ዘይተጸበይዎ ስለ ዝነበረ እቲ መስሕ ኢኻ ዝብል ዝነበረ ጵጥሮስ እዝስ አይረድካ ጎይታይ እናበለ ስቓይን ሞትን አይትመነ ንሕና ንዝለዕለ ክብሪ ኢና ንስዕበካ ዘሎና ኢሉ ርድኢቱን ናይ ካልኦትን ሂቡ። ኢየሱስ ናተይ ዘበለ ዕለት ዕለት መስቀሉ ጸሩ ይከተለኒ፥ ርእሱ ይኽሓድ መስቀሉ ይጹር እናበለ ሓቀኛ ተኸታል ክርስቶስ መንነቱ ይገልጸልና። አብዚ ኩሎም አመንቲ ኢ.ክርስቶስ ነቲ ሓቀኛ ዓላማ ተፈጥርኦም ቀዳምነት ሂቦም ክጉዓዙ ንኹሉ ካብ ክርስቶስ ክፈልዮም ዝፈታተኖም ከወግዱ ከምዝግባእ ይነግረና። ንክርስቶስ አብ ልብና ክንቅበሎ ክንአምኖ እምነትና ክንነብሮ ዝሕግዘና ወንጌል እዩ። አንታ ወደይ እንቲ ጓለይ መን ትብልኒ ይብለና። እምበርዶ ፈሊጥናዮ አሎና፥ እምነትና እና ክጽግመና ንስኻ መድሓኒ ንብሎ እና ክጥዕመና ግን ናተይ መንገዲ ይሕሸኒ በሃልቲ ከይንኸውን።

መስቀል እምብአር አብቲ ቀንዲ መሰረ እምነትና ተመሊስና ክንሕደስ ዝሕግዘና መጋበሪ ድሕነትና እዩ። አብዚ እዋን ዘሎና ደቅሰብ መስቀልና ብዙሕ እዩ። ዓለምና ከባቢና፥ ኩሉ ካብ ትርጉም መስቀልን እምነት መስቀልን ዝሃድም እንርእየሉ እዋን እዩ። ገለ ሰባት ክብልዎ ከምዝሰማዕኩ ገለ አሓትና አብ ግንባረን ምልክት መስቀል ዝነበረን ሎሚ ሓፊረናሉ መጥባሕቲ ገረን ስሓኸኻኦ ትርኢ። ብዕሽነትና ዝገብርናዮ ክብላ ትሰምዕ. . . እዝን ካልእን ክትሰምዕ ከሎኻ ክሳብ ክንደይ ብመስቀል ንሓፍር ምዃና የረድእ እንተኾነ ብአይ ዝሓፈረ አነ እውን አብ ቅድሚ ሰማይዊ አቦይ ክሓፍሮ እየ ይብለና። ትብዓት ለቢስና መስቀል ክርስቶስ አብ መንፈሳውን ዓለማዊ ሕይወትና ክንምስክሮ ልዕሊ ኹሉ ኸአ አብ ሕይወትና ዝጓነፈና መስቀል ጸርና ሓቀኛታት መስከርቱ ክንከውን መስቀለይ ጸረ እስዕበካ አሎኹ ሓግዘኒ ንበሎ። ንዝተሰቕለ ክርስቶስ እንተ ዘይሰበኽኩ ወይለይ ዝበሎ ጳውሎስ ተኸቲልና ብናይ ሕይወትና መስቀል እምነትና ንመስክር።

ትርጉም መስቀል ብዝያዳ ዝተረድኤት አብ ሕይወታ እተቐብለት ማርያም አደና አብትሕቲ መስቀል ኮይና ዝተቐበለትና ሎሚ እውን ሓላይትና አደና ኮይና ትሩፋት መስቀል ካብ ወዳ ተውርደልና። ጸቢብዎ ዘሎ ክርህዎ፥ ፍቕሪ አብ ዝጎደሎ ሰላም ክወርድ፥ ስድራታት ሰላም ሓልዮት አድሕድ ክዕብዩ ልምንልና ንበላ። መስቀል ሕድገት ሓጢአትና አውሪዱ ሰላም ፍቕሪ አብ መንጎ ኹልና የንግሰልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 








All the contents on this site are copyrighted ©.