2009-10-05 15:04:43

ሲኖዶስ ጳጳሳት አፍሪቃ.


ሎሚ ሰንበት 4 ጥቅምቲ 2009 ናይ አፍሪቃውያን ካቶሊካውያን ጳጳሳት ፍሉይ

እዚ ንሰለስተ ሰሙን ዝጸንሕ ፍሉይ ካልአይ ሲኖዶስ ጳጳሳት አፍሪቃ አፍሪቃዊት ቤተክርስትያን ንዕርቅን ፍትሕን ሰላምን አገልግልት ብዝብል መሪሕ ቃል ክዝቲ ምኻኑ ተፈሊጡ አሎ ። RealAudioMP3

አብዚ ካልአይ ሲኖዶስ ጳጳሳት አፍሪቃ 244 ብፁዓን ጳጳሳት አርባዓን አርባዕተን ተዓዘብቲ ሳላሳን ሰለስተን ምሁራን ቤተክርስትያን ናይ ኦሮዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስታን ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስ ዝርከብዎም ናይ አብያተክርስትያናት ወኪላት አብ ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ናይ ሐርሻን መግብን ዋን ጽሐፊ ጃክስ ዲዩፍ አብ ምዕራባዊ ሱዳን ናይ ዳርፉር ፍሉይ ወኪል ዝነበሩ አዳዳ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ብዝግበሩሎም መሰረት አብዚ ፍልዩ ሲኖዶስ ከም ዝሳተፉ ተነጊሩ ።

አብዚ ሎሚ ረፍዲ ብቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝተመርሔ መስዋዕተ ቅዳሴ ፡ ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ጳጳሳት አፍሪቃ ብዙሐት ካርዲናላት ጳጳሳት መነኲስያት መነኮሳን ካህናት ደናግልን ምእመናን ተሳቲፎም

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክፍለ ዓለም አፍሪቃ ዓቢ ሽግር ግጭት ድኽነት ሕማም፡ ሰብ ዝሰርሖም ጸገማት ከም ዘለዋ ጠቂሶም እዚአቶም ክውገዱ ከም ዘለዎምን ክብርን መሰልን ወደ ሰብ ክሕሎን ዘለዎም ሀረርታ ገሊጾም ቤተክርስትያን አብ ዕርቂ ፍትሕን ሰላምን አገልግሎት ከም ትጽመድ ክአ አመልኪቶም።

ሎሚ ምስ 244 ጳጳሳት አፍሪቃ ሐቢሮም መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ንዘክአሎም ከሀሌ ኩሉ እግዝአብሔ አመሲጊኖም ክአ ፡ አብ አፍሪቃ ተስፋ ከም ዘሎ ትስፍውቲ አፍሪቃ ከም ዘላ አገንዚቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ነቲ አብ ዝሐለፈ ቀረባ ግዜ አብ ካመሩን አንጎላን ዘካየድዎ ሐዋርያዊ መገሻ ዘኪሮም ክአ አብ ወንጌል ማቴዎስ መሰረት ዝገበረ ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም ንስኻትኩም ብርሃን ምድሪ ኢኹም ዝብል መርሃ ግብር ዘኪሮም በዚ መሰረት ካልአይ ፍሉይ ሲኖዶስ ጳጳሳት አፍሪቃ ይጅመር ከም አሎ ኢሎም።

ክቡራትን ክቡራንን ዘሰማዕትና ጳጳስ ዘመንበረ አሥመራ መንግስትአብ ተስፋማርያም

ከምኡ ክአ ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ጠቅላሊ ቤት ጽሕፈት ሐላፊ አባ ሐጎስ ይሐይሽ ድሕሪ ቅዳሴ ሲኖዶስ ጳጳሳት አፍሪቃ ብዝምልከት ዝሀብዎ ርእይቶ ብድምጺ ክተከታተልዎ ትክእሉ ።







All the contents on this site are copyrighted ©.