2009-10-03 14:00:19

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድስቲ መንበር ሓድሽ ናይ ፊሊፒንስ ልኡከ መንግሥቲ ተቐቢሎም


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንሓድሽ ናይ ፊሊፒንስ ልኡከ መንግሥቲ ኮይነን ዝተሾማ መርሰደስ ኣራስቲያ ቱሶን ዘቕረበኦ ናይ ሹመት ደብዳቤ ትማሊ ኣብ ዝተቐበልሉ ዕለት ብምኽንያት በቲ ኬዛና እተሰምየ ሓውሲ ዝናም ብርቱዕ ህቦብላ ነፋስ RealAudioMP3 ብዘስዓቦ ምዕልቕላቕ ማይ በማኢት ዝቁጸሩ ዜጋታት ፊሊፒስ ሞት ሓደጋ ከምዘቃልዔን በዚ ምኽንያት ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን ገሊጾምን ነቶም ዝተጎድኡ ዜጋታት ፊሊፒንስ ቀረባ ምዃኖምን ብጸሎቶም እውን ከምዝዝክርዎም ከምዝረጋገጹ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተዘርግሔ መገልጺ የመልክት።

በዚ ብርቱዕ ህቦብላ ነፋስ ምኽንያት 300 ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዝወረዶም ምስ ተሓበረ ቅዱስነቶም ነቲ ዝተጎድኤ ሕዝቢ ብመንፈስ ቀረባ ከምዝኾኑን ኣብ ጸሎትም እውን ሕልዋት ምዃኖም ከምዝገለጹን፣ ኣብ ፊሊፒንስ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ ንምቁጽጻርን ዘስዕቦ ሰብኣውን ንዋታውን ሓደጋ ትሑት ንምግባር ዝግበር ዘሎ ጻዕርን ዝፍጸም ዘሎ ጎዳና ምዕባለን ምምሕያሻት ትሕቲ ቅርጺታትን ንኢዶም ቅኑዕን ተቐባልነትን ዘለዎ ጎደና ምዕባለን ብመንፈሳዊ ሃብትን ንዋታውን ተሰንዩ ዝረጋገጽ ሰብኣውን ንዋታውን ዘጠቓልል ብምዃኑ ምሉእነት ከይዱ ዝነኣድ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ነተን ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡከ መንግሥቲ ኮይነን ንዝተልኣኻን ናይ ሹመት ደብዳቤ ኣብ ዝተቐብሉሉ እዋን ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ገሊጾም።

ድኽነት ንምውጋድ ቅንዕና ከይዲ ምሉእነትን ምኽባርን ፍትሕን ብሕልፊ መግንሥትን እቶም ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ዘገልግሉ ኵሎም ክኽብርዎ ይግባእ ቢሎም ኣብ መደምደምታ ዘረባኦም ኣብታ ቁጽሪ ካቶሊካውያን ምእመናን ኣብ ዝበዝሓላ ፊሊፒንስ ምስ ምስልምና ሃይማኖት ዝግበር ዘተ ንኢዶም ምትሕብባርን ዘተን ዝኾነ ይዅን ዓይነት ግርጭት ዘወግድ ከምዝኾነን ኣረዲኦም፣ ብሽም እግዚኣብሔር ኣኽረርቲ ዝፍጽምዎ ዓመጽ፣ ጸረ እግዚኣብሔር ምዃኑ ሓቢሮም ሰላም ብቴክኒካዊ ከይዲ ማለት ብሕግ ጥራሕ ዘይኮነስ ሰናይ ኣብ ልዕሊ ክፍኣት ተዓዋቲ ምዃኑ ብምእማንንን ናይ ሰላም ባህል ብምስፍሕፋሕን ብጸሎት ተሰንዩ ዝረጋገጽ ኢዩ ከምዝበሉ ተረጋገጺ።








All the contents on this site are copyrighted ©.