2009-10-01 14:36:55

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰሜን ኣፍሪቃን ብድሆታታን


ናይ ሰሜና ኣፍሪቃ ብጹዓን ጳጳሳት ንናይ ወግዓዊ ካልኣይ ናይ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዝቐርብ ናይ ከባቢ መግብረ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብድሖታት ዘመልክት ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ከምዘውጽኤ ተሓቢሩ። RealAudioMP3

እዚ ናብቲ ካብ ዕለት 4 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ቫቲካን ዕርቅን ፍትሕን ሰላም ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ንኽካየድ ተወሲኑ ናብ ዘሎ ናይ ኣፍሪቓ ብጹዓን ጳጳሳት ካልኣይ ሲኖዶስ ዝቐርብ ናይ ከባቢ ሰሜን ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤተ ክርስትያናቶም ዝተጋጥማ ብድሆታት እንክዝርዝሩ፣ ቤተ ክርስትያን ሰሜን ኣፍሪቃ ርክብ ምስ ምስልምና ሃይማኖትን ናይ ክርስትያንን አስላምን ማኅበራዊ ናብራን፣ ካብ ደቡባዊ ሰሓራ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝለዓለ ትምህርቲ ናብ ከባቢ መግረብ ዝመጹ ጉዳይ ዜጋታታ ኣፍሪቃ ዝምልከትን ብዙሓት ዜጋታት ኣፍሪቃ ድማ ናብ ኤውሮጳ ንኽስደዱ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ንዝግበርዎ ጉዕዞ ስደት ብከባቢ ሃጋራት ሰሜን ኣፍሪቃ ዘሳልጡን በዚ ምኽንያት ኣብዘን ሃገራት ዝርከቡን ዘይ ሕጋውያን ስደተይናታትን፣ ኣብዚ ከባቢ ዘሎ ኅብረ ኃይማኖትን ኅብረ ባህልን ንዝምልከቱ ጉዳያት ምዃኖም የረድእ።

እቲ ናይ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ካልኣይ ሲኖዶስ ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ዝብል ኣርእስቲ መሪሕ ዝገብር ብምዃኑ ኣብ ኣልጀርያ ናይ ላጉኣትን ጋርዳያን ሊቀ ጳጳስን ኣብ ካልኣይ ሲኖዶስ ኣፍሪቃ ንናይ ሰሜን ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ፍሉይ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ክላውደ ራውልት ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ እቶም እዚ ካልኣይ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ ዝዘራረበሎም ጉዳያት ኅብረሰባዊ ፖለቲካ ሜላ ዘቕርብ ዋዕላ ኣይኮነን ኢሎም።

ንሰሜን ኣፍሪቃ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ወኪሎም ኣብዚ ካብ ዕለት 4 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝካየድ ወግዓዊ ካልኣይ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ ዝሳተፉ ናይ ራባት ሊቀ ጳጳስን ናይ ሰሜን ኣፍሪቃ ናይ ብፁዓን ጳጳስት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበርን ብፁዕ ኣቡነ ቪንሰንት ላንደልን፣ ናይ ትሪፖሊ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆቫኒ ማርቲነሊ፣ ናይ ቱኒዝ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማሩን ላሃምን ኣብ ኣልጀሪያ ናይ ላጉኣትን ጋርዳያን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ክላውደ ራኡልት ምዃኖም ተሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.