2009-10-01 09:34:00

ንምንታይ ካልአይ ፍሉይ ሲኖዶስ ጳጳሳት አፍሪቃ አድለየ ?


(ካብ መርኃ ግብር ናይ መሰናደዊ ጉባኤ ሰነድ )

ቤተክርስትያን አብ ኅብረተሰብ አፍሪቃ ብተቅዋማት አብያተ ትምህርትን አገልግሎት ጥዕና ብመደባት ልምዓትን አቢላ ንኹሉ አገልግሎት ከም ትህብ ይፍለጥ። ቤተክርትያን ንክፍለ ዓለም አፍሪቃ ትገብሮ ቆላሕታ ምንጩ ፡ አብ ማኅበረ ክርስትያን ዝተመሥረተ ኢዩ።

ቤተ ክርስትያን ክፍለ ዓለም አፍሪቃ ቅኑዕ ኃልዮ አለዋ ስለ ዝኾነ ክአ ፡ ብ1994 ናይ መጀመርያ ፍሉይ ስኖዶስ ከም ዝገበረትን ቤተክርስትያናዊ ሜላ ስድራ ቤት እግዝአብሔር ተአማኒ ምስክር ዕርቂ ፍትሕን ሰላምን ከም ዝኾነ አመልኪታ ።

ቤትክርስትያን ፡ ክርስትያን ንፍትሕን ሰላምን ክሃነጹን ጊደ ቤተክርትያን ብምድልዳል ናይ ምስረታ ፍትሕን ሰላም ኮሚስዮን ኪቐውም አተሐሳሲባ።

ማኅበራዊ ኩነታት ክፍለ ዓለም አፍሪቃ ድሕሪ ቀዳማይ ፍሉይ ሲኖዶስ ጳጳሳት አፍሪቃ ተቀይሩ መሰረታዊ ሰብአዊ ሽግራት ግን ከም ዝነበርዎ ተሪፎም። ስለ ዝኾነ ክአ ቅድሚ ዓሰርተ ሐሙሽተ ዓመታት ዝተላዕሉ ሃይምኖታዊ ፖሊቲካዊ ኤኮኖምያዊ ባህላዊ ኩነታት ጥልቂ መጽናዕትን መርመራን ከም ዘድልዮም ዘጠራጥር አይኮነን ።

ስለዝኾነ ክአ ቤተክርስትያን ጨው ምድርን ብርሃን ዓለምን ስለዝኾነት አብ አፍሪቃ ተልእኾ ኅብረትን ነቲ ኅብረተ ሰብ እትህቦ አገልግሎትን ስብከተ ቅዱስ ወንጌልን አርቂቃ ትሓስብን ተስተንትንን።

አብያተክርትያን አፍሪቃ ድሕሪ ዓሠርተ ሐሙሽተ ዓመት ቀዳማይ ሲኖዶስ ጳጳሳት አፍሪቃ ዝሐለፈ ገምጊመን ነቲ ሕጂ ዘሎ አፍሪቃዊ ሽግር ብሐባር ክገጥማ ክሐስባን ከስተንትናን ይደልያ አለዋ።

ስለዚ ክአ ነዚ አብ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ ዕለት አርባዕተ ክሳዕ ዕስራን ሐሙሽተን 2009 ዚካየድ ካልአይ ፍሉይ ሲኖዶስ ጳጳሳት ፡ ቤተክርስትያን ንዕርቅን ፍትሕን ሰላምን አገልግሎት አብ አፍሪቃ ዝተሰየመ መሪሕ ቃል ዝተመርጸ ።

ገሊኤን አብያተ ክርስትያናት አፍሪቃ እቲ ቅድሚ ዓሰርተ ሐሙሽተ ዓመት ዝተኻየደ ናይ መጀመርያ ሲኖዶስ ጳጳሳት አፍሪቃ ዝሀቦ መምርሒ ፡ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ተኸቲለን ንስድራ ቤታት ስብከተ ቅዱስ ወንጌል አካይደን መካነ መጽናዕትን አስተንትኖን መካን ቃለ እግዝአብሔር አስናድየን።

አብ ግጭት ንዝርከቡ ወገናት ከታዓርቃ ዝክአለን ጌረን ፡ ጸረ ድኽነት ክቃለሳ መደባት ሐንጺጸን ከምኡ ካአ ናይ ፍትሕን ሰላምን ኮሚስዮናት ዘተ ሐድነት ክርስትያን አካይደን ምስ አብ ምስልምና ዝአምኑን ባህላዊ አፍሪቃዊ እምነት ዝኽተሉን ዘትየን።

አብ ልዕሊ”ዚ ነቲ ምሕረት አልቦ ዝኾነ ኤች አይ ቪ ኤድስ ዝተባህለ ሕማም ንምፍዋስ መደባት አውጽኤን አብ ዝተፈላለዩ ቦታታት አገልግሎት ጥዕና ዝህቡ ተቅዋማት አስሪሔን።

ይኹን ድአምበር ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን አብ አፍሪቃ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ዝመጻ መጥቃዕቲ ብህድአትን ብትዕግስትን እናተቀበለት ንሰላምን ንፍትሕን ንርትዕን ንዕርቅን ንሰላምን ትሰርሕ ።

 








All the contents on this site are copyrighted ©.