2009-10-01 14:35:45

ብዛዕባ ካልኣይ ሲኖድስ ብጹዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ፦ ጉባኤ ካቶሊካዊ ምንቅስቃስ ሰላመ ክርስቶስ


ፓክስ ኪሪስቲ - ሰላመ ክርስቶስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምንቅስቃስ ካቶሊክ ብዛዕባ እቲ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ወግዓዊ ካልኣይ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳታ ኣፍሪቃ ኣመልኪቱ ዝዝቲ ናይ ሥራሕ ጉባኤ የካይድ RealAudioMP3 ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እዚ ክሳብ ጽባሕ ዓርቢ ዝቕጽል ሰላመ ክርስቶስ ዝጸወዖ ብዛዕባ ሲኖዶስ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሥራሕ ጉባኤ ብቐዳማይ ደረጃ ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘይሕጋዊ ንግዲ ኣጽዋር ርእሰ ጉዳይ ኣሞርክይዙ ዓቢ ምይይጥ ከምዘካየድ ተገሊጹ።

ምዕባለ ኣፍሪካ ናበይ ገጹ ይመርሕ ኣሎ፣ እንታይ ዓይነት ምዕባለ ኢዩ ኸ ኣብ ኣፍርቃ ዝርኤ ዘሎ? ዝብሉ ሕቶታት እውን ተላዒሎም መልሲ ክወሃበሎም ከምእተፈተነን እቲ ምዕባለ ኤኮኖሚያዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ሰብኣዊ ሕንጸት ዝዓሰሎ ክኸውን ከምዘለዎን ንኣብነት ናይ ጋቦን ምጣኔ ሃብቲ 14 ሺሕ ዶላር ክግመት እንከሎ ካብ ሽሕ ዝውለዱ ሕፃናት 60 ከምዝመቱን ናይ ማዳጋስካር ምጣኔ ሃብቲ 878 ዶላር ክግመተ እንከሎ ካብ ዝውለዱ ሓደ ሽሕ ሕፃናት ድማ 66 ከምዝመቱ ምስ ተገለጸ እዚ ማለት ድማ ምዕባለ ኤክኖሚ ጥራሕ ንበይኑ እዅል ከምዘይኮነ ዝሕብር ምዃኑ እቲ ጉባኤ ኣመልኪቱ።

ናይ ምዕባለ ባህሊ ክስፋሕፋሕን ኣብዚ መዳይ ድማ ዓለማውያን ምእመናን ክሳተፉን ዘተባብዕ መደብ ክሕንጸጽ ኣገዳሲ ምኳኑ ናይዚ ምንቕስቓስ ጨንፈር ኢጣሊያ ሊቀ መንበር ካሮሎ ቺሮቶ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ ኣብዚ ቁጠባዊ ቅልውላዋት ዝረኣየሉ ዘሎ ዓለም፣ ክርስትያን ማኅበረሰብ ምስ እዚ ዓይነት ኩነት ቀጥታዊ ርክብ ዘለዎን ብዛዕባ እቲ ዕለታዊ ሕይወት ዝቐረበ ኣፍልጦ ዘለዎ ስለ ዝኾነ እብዚ ነዚ ሽግር ኣብ ናይ ምፍታሕ ዝግበር መደብ ክኢላታትን ሊቃውንቲ ዓለማውያን ምእመናን ንኽሳተፉ ባይታ ክፍጠረሎም ኣለዎ ኢሎም።

ካብ ዓለም ጥምየት ንምውጋድን ናይ ምዕባለ መደም ምንቕቓሕ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኮሚቴ ኣባል ዞበል በሃላል ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ንምዕባለ ኣፍሪቃ ኮነ ካልኦት ድኽታት ሃገራትን ከማኡ እውን ኣብተን ዓመጽን ሁከተን ማሕበራዊ ግርጭት ክለዓለለን ዝኽእላ ሃገራት መሸጣ ኣጽዋር ውግእ ክእገድ ኣለዎ ቢሎም፣ እዚ ኢዩ እቲ ሓደን ቀዳማይ ንናይ ከይዲ ምዕባለ መምዘኒ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.