2009-10-01 14:37:43

ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ር.ሊ.ጳ.


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ትማሊ ረቡዕ መደብ ኣስተምህሮ ትምህርቲ ክርስቶስ ዘቕረቡ ብዛዕባ እዚ ዝሓልፈ ሰሙን ናብ ረፓብሊክ ቸክ ዝገበርዎ መበል ዓሠርተ ሠለስተ ሃገራት ሓቆፍ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣስተንትኖን ገምጋምን ብምሃብ ኢዩ።

ቅዱስነቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ረፓብሊክ ቸክ ዝፈጸምዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣተኵሮም ዘቕረብዎ ኣሰተምህሮ ኤውሮጳ ናይ ጽባሕ ተስፋ ምእንቲ ክትረክብ እግዚኣብሔር የድላይ መራሕቲ ፖለቲካ ኣብ ሕይወቶም ሓቅነት ኪምስኩርን ኪዛረቡን ይግባእ ብምባል ኣተሓሳሰቡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.