2009-09-29 13:28:01

ጸሎተ መቁጸርያ ምስ ተመሃርቲ መንበረ ጥበባት (ዩኒቨርሲታት) ሮማ


ዕለት 10 ጥቅምቲ፣ 2009 .. ብአቆጻጽራ ሰዓት ሮማ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ምሸት፤ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሠርተ ሽዱሽተ ምስ ተመሃርቲ መንበረ ጥበባት (ዩኒቨርሲታት) ሮማ ኃቢሮም ምእንቲ አፍሪቃ ጸሎተ መቁጸርያ ክደግሙ ኢዮም።

እዚ ሥርዓት’ዚ ክአ ብረድዮ ቫቲካን ብሐጸርትን ማእከላይን ማዕበላትን ብኻልኦት መራከቢ ብዙኀንን ክዝርጋሕ ኢዩ።

ድሕሪ ፍጻሜ ሥርዓተ መቁጸርያ ፍኖተ መስቀል ከም ዝካየድ እቲ መርኃ ሲኖዶስ ጳጳሳት አፍሪቃ አረዲኡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.