2009-09-29 13:42:37

ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ጀርመን


ናይ ጀርመን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ እቲ ኣብ ጀርመን ዝተመርጸ መንግሥቲ እቲ ዝኣትዎ ቃል ዘተግብር ክኸውን ኣለዎ እንክብል ከምዝገለጸ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር RealAudioMP3 ብፁዕ ኣቡነ ሮበርት ዞሊትሽ እቲ ዝቐውም መንግሥት ማዕረነት ዝዓሰሎ ማሕበራዊ ፖሊቲካ ክኽተል ኣለዎ ኢሎም፣ ብዛዕባ ሕቶታት ሥነ ምግባር ቤተ ክርስትያን ክትከታተልን ኣብዚ ጉዳይ እውን ድምጻ ከተስምዕ ሓላፍነት ኣለዋ ከምዝበሉ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣብ ናይ ጀርመን ፈደራላዊ መንግሥቲ ንናይ ካቶሊክ ጉዳይ ዝምልከት ቤት ጽሕፈት ዋና ኣመሓዳሪ ካርል ዩስተን እቲ ውጽኢት ናይቲ መረጻ፣ ሕዝቢ ጀርመን ብዛዕባ ማኅበራዊ ኤኮኖምን ናይ ሥራሕ ዕዳጋ ኤኮኖሚ ብዝምልከት ዘለዎ ኣረኣእያ ዝሕብር ኢዩ ከምዝበሉን እቶም መኽረርቲ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ዘየዕወተን ሕዝባዊ መረጻ ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.